ሰብ ሃፍቲ ግዝኣት ጄኖኣ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊን ፍሪያት ዕንበባን ኢትዮጵያ ንምውፋር ዘለዎም ባህጊ ገሊፆም

113

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/23/ 2015 (ኢዜአ) ሰብ ሃፍቲ ግዝኣት ጄኖኣ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊን ፍሪያት ዕንበባን ኢትዮጵያ ንምውፋር ድልየት ከምዘለዎም  ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ደሚቱ ሃምቢሳ ኣብ ግዝኣት ጄኖኣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዘቲየን።

እተን ኣምባሳደር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹእ ዕድል ኢንቨስመንትን ዕድል ዕዳጋን መብርሂ ሂበን።

ኣብ ሕጊን ኣሰራርሓን ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ እውን መብርሂ ከምዝሃባ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም፥ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊን ፍሪያት ዕንበባን ኢትዮጵያ ንምውፋር ዘለዎም ባህጊ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም