ጀኔራል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣዛዚ ብሄራዊ ፖሊስ ሶማሊያን ምክትል ኣዛዚ ብሄራዊ ፖሊስ ጅቡቲን ተዛትዮም

79

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 22/2015 (ኢዜኣ) ጀኔራል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ፕሬዚዳንት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካን ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣዛዚ ብሄራዊ ፖሊስ ሶማሊያ ብርጋዴር ጄነራል ሱሉብ ኣህመድ ፊንን ምክትል ኣዛዚ ብሄራዊ ፖሊስ ጅቡቲ ኮሎኔል ዑመር ሑሴን ሓሰንን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛትዮም።

ኣብቲ ዘተ፤ ሃገራት ብግብረ ራዕድን ካልኦት ዝተወደቡ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ብዝተዋደደ ሰለስቲኣዊ ሕብረት ንምክልኻል ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ብተወሳኺ እውን ዓቕሚ መኮንናት ፖሊስ ሰለስቲአን ሃገራት ምጉልባት ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምዝታይ ኣብ ቀፃሊ ሓባራዊ መረዳድኢ ሰነድ ኣብ ጅቡቲ ንምፍርራም ምስምዕምዖም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም