ኣኼባ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 22/2015 (ኢዜኣ) ኣኼባ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ብኮሚሽን እቲ ሕብረት ዝተዳለወ እቲ ኣኼባ፤ ኣብ ትግበራ ውፅኢታት ኣኼባ ኣፍሪካ፣ዓለም ለኸ ስምምዓት ብዝሃ ሂወት ካሪብያንን ፓስፊክን፣ኣኼባ ብዝሃ ሂወት ኮፕ-15 ውሕመን ኣኼባ ብምኽንያት ምንቅስቓስ ንግዲ 19 ኣብ ልዕሊ እንሰሳትን እፅዋትን ጉድኣት ንዘይምብፃሕ ዝተገበረ ስምምዕን ትኹረት ዝገበረ እዩ።

ብዝሃ ሂወት ኣብ ኣፍሪካ ንቱሪዝም፣ንመድሓኒት (ፋርማሲዩቲካል) ኢንዱስትርን ዓውዲ ንግድን ዘለዎ ረብሓ ወሳኒ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ኣብ ብዝሃ ሂወት ትኹረት ዝገበሩ መርሃ ግብርታት፣ዘይሕጋዊ ንግድታት እንሰሳትን እፅዋትን ንምክልኻል ዝተዳለወ ስትራቴጂን ቀፃልነት ዘለዎ ማዕቐፍ ምምሕዳር ደንን ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ እውን ተሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮፓ ንሓለዋ ብዝሃ ሂወትን ከባብን ኣፍሪካ ደገፍ ከምዝገብር ኣብቲ ኣኼባ ተፀሪሑ።

ብብርኪ ሰብ ሞያታት ዝተጀመረ እቲ ኣኬባ ክሳብ ፅባሕ ክፀንሕ እዩ።

ብብርኪ ሚኒስትራት ዝግበር ኣኼባ ድማ ድሕሪ ፅባሕ ዝጅመር እንትኸውን በቶም ሰብ ሞያታት ዝቐረቡሎም ዛዕባታት ክዝትዩ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም