መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ

አዲስ አበባ /ግንቦት /22/2015/ኢዜአ/   ድልድል መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፀወታታት ኦሎምፒክ 2024 ወፂኡ።

   ኢትዮጵያ ኣብቲ ፈላማይ ዙርያ ምስ ቻድ ከም ትደላደልን ካብ ክልቲአን ሃገራት እታ ዝተዓወተት ኣብ ካልኣይ ዙር መፃረዪ ምስ ናይጄሪያ ከምትፃወትን ተገሊፁ።

ኣብቲ ኣርባዕተ ዙራት ዘለዉዎ መፃረዪ እቶም ናይ ፈላማይ ዙር መፃረዪ ፀወታታት ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2015 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት እዮም ክካየዱ።

ስነ-ስርዓት ዕጫ ምውፃእ እቶም መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፀወታታት ኦሊምፒክ 2024 ኣብ ካይሮ ግብፂ ከምዝተኻየደ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም