ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝብን መሓውር ፀጥታን ተዋዲዶም ብምስርሖም ኣብ ዙርያ ሰላምን ፀጥታን ፅቡቕ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ-ወይዘሮ ሊዲያ ግርማ

60

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 22/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ህዝብን መሓውር ፀጥታን ተዋዲዶም ብዝሰርሕዎ ስራሕ ኣብ ዙርያ ሰላምን ፀጥታን ፅቡቕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ሊዲያ ግርማ ሓቢረን።

ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ኦፊሰራትን ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ፀጥታን ዘተ እናገበሩ እዮም።

ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ሊዲያ ግርማ፤ ሰላምን ድሕንነትን ዝረጋገፅ ብተሳትፎ ህዝቢ ምዃኑ ብምርዳእ ነበርቲ ብስፍሓት ንክሳተፉ እናተገበረ እዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እውን ብናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብዙሓት ሰባት ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንክውዕሉ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ሰላምን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምርግጋፅ ምትሕብባር ህዝቢ፣ኣካላት መንግስትን ፀጥታን ብዝሓሸ መልክዑ ከምዝተጠናኸረ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም