ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሓለዋ ማሕበራዊ ንምትብባዕ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ መንግስትን መሓዙት ልምዓትን ምጥንኻር ይግባእ-ዶክተር ማይክል ሳምሶን

185

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 22/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሓለዋ ማሕበራዊ ንምትብባዕ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ መንግስትን መሓዙት ልምዓትን ምጥንኻር ከምዝግባእ ሙሁር እቲ ዓውዲ ዶክተር ማይክል ሳምሶን ተዛሪቦም።

ሓለዋ ማሕበራዊ፤ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መንገዲ ድኽነት፣ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስግኣት ዜጋታት፣ተቓላዕነትን ምግላልን ንምቕናስ ዘኽእል ስጉምቲ ብምውሳድ ንኹሉ ተበፃሒ ዝኾነ ኣብ ምርግጋፅ ዝተመጣጠነ ዕቤት ዘተኩር ማዕቐፍ ፖሊሲ ማሕበራዊ እዩ።

ዳይሬክተር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ኬፕታውን ዝርከብ ትካል መፅናዕቲ ፖሊሲ ኢኮኖሚን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዙርያ ሓለዋ ማሕበራዊ ምርምር ዝገብሩን ዶክተር ማይክል ሳምሶን ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ስርዓት ሓለዋ ማሕበራዊ ክውን ንምግባር ኩለመዳያዊ ስትራቴጂን ፖሊስን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባር የድሊ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሓዙት ልምዓትን ስርዓት ሓለዋ ማሕበራዊ ንምፍጣር ሓቛፊ ዕቤት ንምርግጋፅ እናሰርሑ ምዃኖም ብምግላፅ፤ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፀል ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም