ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተደራራቢ ግብሪ ንምትራፍን ኣብ ልዕሊ ታክሲ ዝፍፀም ምጭብርባር ንምክልኻልን ዝቐረበ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/22 /2015 (ኢዜአ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተደራራቢ ግብሪ ንምትራፍን ኣብ ልዕሊ ታክሲ ዝፍፀም ጉሕለትን ንምክልኻልን ዝቐረበ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ሉክሰምበርግን ስዊዘርላንድን ብኣታዊ ዝኽፈል ግብሪ ብዝምልከት ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዘተ ተገይሩ።

 ብመሰረት እቲ ዝተካየደ ዘተ

ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ተደራራቢ ግብሪ ንምትራፍን ኣብ ልዕሊ ታክሲ ዝፍፀም ጉሕለት ንምክልኻልን ዝቐረበ ኣዋጅ ጠሚቱ ቀዋሚ ኮሚቴ ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ጉዳያት ዘቕረቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ነቲ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ባይቶ አብ ውዕልኡ ረቂቅ አዋጅ ቁፅሪ 1295/2015 ገይሩ ብምሉኡ ድምፂ ምፅዳቁ ባይቶ ወከልቲ አብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ አፍሊጡ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም