ጉዳይ ገዝሚን ጣጡኡን

164

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ደቂ ተባዕትዮ እናተመሓየሸ ምስ ከደ፡ ጠለብ ገዝሚ እናወሰኸ ከምዝመጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ኣብ ደቡብ ኤስያ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ኰይኑ፡ ወለዲ መርዓት ጥረ ገንዘብ፡ ክዳውንትን ስልማትን ንስድራቤት መርዓዊ ብመልክዕ ህያብ የቕርቡ።

እዚ ተግባር ካብ ካብ መፍለምታ ሱዱሳታት ጀሚሩ፡ ኣብ ህንዲ ዘይሕጋዊ' እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ግን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይዝረብ። ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ክሳብ ንዘቤታዊ ዓመጽ የቃልዐን ኣሎ።

ጀፍሪ ዊቨር ካብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያን፡ ጋውራቭ ቺፕሉንካር ካብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያን፡ ኣብ ገዝሚ ዝተራእየ ለውጢታት ከጽንዑ ብምሕሳብ ኣብ ህንዲ ኣብ መንጐ 1930 1999 / አቆፃፅራ አውሮፓ /ንዝተፈጸመ ልዕሊ 74 ሽሕ ሓዳር መርሚሮም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ካብቲ ኣብ ህንዲ ዝተወስደ መረዳእታ ቁጠባውን ስነ-ህዝባውን መጽናዕቲ ገጠር እዮም ተመርኲሶም። ኣብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለወን 17 ግዝኣታት ህንዲ ንዝርከቡ ስድራቤታት ድማ ዳህሲሶም።

ኣብ ህንዲ መብዛሕትኡ ሓዳር ብወለዲ ዝፍፀም ኰይኑ፡ ዳርጋ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት ዕድመአን እየን ዝምርዓዋ። ክሳብ 1999 ካብ ዝተጽንዑ ሓዳር እቶም ኣስታት 90 ሚእታዊት ገዝሚ ዝተፈጸመሎም እዮም።

ኣብ መንጐ 1950 1999 ዝነበረ ክፍሊት ገዝሚ ዳርጋ ርብዒ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ኣብ ህንዲ ዝተረኣየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብፍላይ ካብ 1940ታት ክሳብ 1980ታት ባህሊ ገዝሚ ብዝያዳ ክቕጽልን ክውስኽን ከምዝገበሮ፡ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገጸ ሓደ ካብ ተመራመርቲ ዝዀነ ዊቨር ይዛረብ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ይመሃሩን ዝሓሸ ስራሕ ይረኽቡን ስለዝነበሩ ገዝሚ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ" ይብል።

ሓዳር ኣብ ህንዲ

  • ዳርጋ ኵሎም ኣብ ህንዲ ዝግበሩ ሓዳር ኣሚናዊ [ሓደ ምስ ሓንቲ] ዝፍፀሙ እዮም
  • ትሕቲ 1 ሚእታዊት ድማ ብፍትሕ ይውድኡ
  • ወለዲ ኣብ ምምራጽ መርዓዊ/መርዓት ዓቢይ ተራ ኣለዎም፤ ኣብ መንጐ 1960 2005 ካብ ዝተፈጸሙ ሓዳር ኣብቶም ልዕሊ 90 ሚእታዊት መጻምድቲ ብወለዲ ተመሪጾም
  • ልዕሊ 90 ሚእታዊት መጻምድቲ ድሕሪ ሓዳር ምስ ስድራቤት ሰብኣይ ይነብራ
  • ልዕሊ 85 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓደን ወጻኢ ካብ ዝመጸ ሰብ ይምርዓዋ
  • 78.3 ሚእታዊት ሓዳር ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣውራጃ ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ይፍፀም

እቲ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ገዝሚ ዝረአ ዘሎ ወሰኽን ቀጻልነትን ምስቲ ደቂተባዕትዮ መርዑት ኣብ ትምህርቶምን ኣታዊኦምን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዝዛመድ ከምዝዀነ ምርዳእ ይከኣል። (ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኣብ ስራሕ ዘለወን ተሳትፎ ዝተሓተ ምዃን  ንደቂ ተባዕትዮ ዝያዳን ዝሓሸን ዕድል ስራሕ ምህላው ማለት እዩ)

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 'ዝለዓለ ጽሬት ዘለዎም መርዓውቲ' - ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑን ዝሓሸ ጽሬት ዘለዎ ስራሕ ዘለዎምን - ዝለዓለ ገዝሚ ይጠልቡ።

"ሓያል ቍጠባዊ ረቛሒታት ገዝሚ እናዓበየ ክቕጽል ምኽንያት ይዀኑ ኣለዉ። ብወገን መርዓት ክረአይ እንተሎ፡ ንኣዋልድ ደቆም መውስቦ ምኽፋል ዘይከኣሉ ስድራቤታት፡ ዕጫ ደቆም 'ትሑት ጽሬት ዘለዎም' መርዓውቲ ምምርዓው ይኸውን።

ሲዋን ኣንደርሰን ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝጸሓፈቶ ካልእ ጽሑፍ፡ ዘይከም ህንዲ፡ ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ሃብቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ክፍሊት መውስቦ ግን ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ይምጕት።

ምህርቲ ስነቍጠባ ዝዀነት ሲዋን ኣንደርሰን፡ ኣብ ከም ህንዲ ዝኣመሰሉ ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሱ ማሕበረሰባት ወሰኽ ሃብቲ ከረአ እንተሎ ክፍሊት ገዝሚ እውን ከም ዝውስኽ ትዛረብ።

ገለ ክኢላታት፡ ኣብ ታሕተዋይ ዓሌት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ላዕለዋይ ዓሌት ንዝመጹ ደቂ ተባዕትዮ ክምርዓዋ ዘሎ ድሌት ኣብ መውስቦ ለውጢ ከም ዘስዓበ ይኣምኑ።

ካልእ ተመራማሪ ዊቨር ግን፡ኣዝዩ ውሑድ ስግረ-ዓሌታዊ ሓዳር" ስለዘሎ እዚ ኣረኣእያ "ጌጋ" እዩ ይብል።

ኣብ ዝሓለፉ ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመታት፡ ኣብ ምምሃር ደቂ ኣንስትዮ ርኡይ ለውጢ ዝተረኣየ ኰይኑ እዚ ድማ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ህንዲ ክነጻጸር እንተሎ ይበልጽ ኣሎ። እዚ ነቲ ኣብ ገዝሚ ዝጸንሐ ልምዲ ክንኪ ክገብሮ ይኽእል'ዩ።

ግን ድማ ነዚ ዝድግፍ መረዳእታ ከምዘየለ ሚስተር ዊቨር ይዛረብ።

እቲ መጽናዕቲ ግን ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ እናተማህራ ምስ ከዳ "ዓቐን ክፍሊት ገዝሚ ከምዝንኪ" መርትዖ ረኺቡሎ።

ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምድንፋዕን ኣብ ስራሕ ዘለወን ተሳትፎ ምዕባይን፡ ነቲ ምስ ገዝሚ ብዝተሓሓዝ ዝፀዓነን ሸኽሚ ኣብ ምቅላል ከምዝሕግዝ ንጹር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም