ሱዳን፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሓሙሽተ መዓልቲ ተናዊሑ

194

ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን፡ ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነትን ጸቕጥን ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምንውሕ  ንሓመሽተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝተሰማምዑ ሸምገልቲ ሃገራት ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጻኦ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጠን።

እተን ሃገራት ኣብ መግለጺአን፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንሓደ ሰሙን ክናዋሕ ምስምማዖም ብሓጐስ ከምዝተቐበላኦ ብተወሳኺ ኣፍሊጠን።

ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ከምቲ ኣብ ውዕል ዝሰፈረ ከምዘይተተግበረ ብምግላጽ ብውሕዱ እቲ ስምምዕ ተዛማዲ ህድኣት ብምፍጣሩ ንክልተ ሚልዮን ሱዳናውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሖም ከምዘኽኣለ ሓቢረን።

ክልቲኦም እቶም ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ንውዕል ጅዳ ኣብ ምጥሓስ ንሓድሕዶም'ዮም ክካሰሱ ጸኒሖም።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፡ እቲ አብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተዛማዲ ሃዲኡ ስለዝነበረ ንነበርቲ ናይታ ማእከል ግጭት ዘላ ካርቱም፡ ውግእ ካብ ዝጅምር ንመጀመርታ ግዜ ረድኤት ከብጽሓሎም ከምዝኽኣለ ሓቢሩ።

ጐረባብቲ ሃገራት፡ ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራውን ዓለማውን ውድባት በብወገነን ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ሰለማዊ ዘተ ንምእታዎም ብተደጋጋሚ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራብ ወርሒ ግንቦት ብኣሸማጋልነት ኣሜሪካን ስዑድያን ኣብ ጅዳ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተፈራረሙ ዝዝከርዩ።

ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ' ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምፍራሞም፡  ናብ ሱዳን ሰብኣዊ ረድኤታት ዝበጽሓሉ መንገዲ ከጣጥሑን ኣብ ማእከል ውግእ ዝርከቡ ሰለማውያን ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ንኽወጽኡ መንገዲ ክኸፍቱን ምስምማዖም ይዝከር።

በቲ  ዝተወልዐ ውግእ፡ ዛጊድ ብውሑዱ 863 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን 3531 ከም ዝቘሰሉን ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝወጽአ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ነይሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም