ኢዜኣ ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ብመዳይ ሰብሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ብስልጠና ምብቃዕ ናይ ባዕሉ እጃም እናበርከተ ይርከብ

186

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 2/ 2015 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ብመዳይ ሰብሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ብስልጠና ምብቃዕ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ተዛሪቦም።

ኢዜኣ ብኣዋጅ ካብ ዝተውሃብዎ ተግባርን ሓላፍነትን ኣብ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ሚድያን ወዲብካ ሙያዊ ስልጠናታት ምሃብ ይርከብዎ።

ስለዝኾነ እውን ቅድሚ ሕዚ ንሰብ ሞያታት ርክብ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ትካላት ስልጠና ዝሃበ እንትኸውን፤ ሎሚ ድማ ንሰብ ሞያታት ኮሚዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ሚኒስቴር እቶት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

እቲ ስልጠና ኣብ ክልተ ዙር ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ከምዝወሃብ ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ስልጠና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ተሞኩሮ ዝውሰደሉ እዩ ኢሎም።

ኢዜኣ ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ብመዳይ ሰብሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ብስልጠና ምብቃዕ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ኢዜኣ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብዓውዲ ሚድያ ዝሓሸ ተበፃሒ ንምዃን ዘኽእልዎ ስራሕቲ እናሳለጠ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቶም ሰልጠንቲ ስልጠነኦም ምስወድኡ ስራሕቲ እቲ ትካል ከምዝዕዘቡ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

ኣብ ኢዜኣ ሓላፊ ማእኸል ስልጠና ምርምርን ምኽርን ኣብዱራህማን ናስር ብወገኖም፤ ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ስልጠና ብቐረፃ መልእኽቲ፣ብስትራቴጂ ኮሚዩኒኬሽን ከምኡ እውን ኣብ ኣሰናድኣ ፅሑፍ ዝርርብ ተግባር ተኮር ስልጠናታት ከምዝወሃቡ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣሰናድኣ ዜና፣ትሕዝቶ ዜና፣ትልሚ ዜናን ትንታነን ስልጠና ክወሃብ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም