ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ኣይ ሲ ቲ ሁዋዌ ዝተሳተፉ ተምሃሮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/ 21/2015 (ኢዜአ)ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ኣይ ሁዋዌ ዝተሳተፉ ተምሃሮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

እቲ ውድድር ካብ 16 ክሳብ 20 ግንቦት 2015 . ኣብ ቻይና ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ ውድድር ካብ 36 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 146 ጉጅለታት ተሳቲፎም።

ብኢኖቬሽን ትራክ ዝተወዳደሩ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ናይ ባዕሎም ምህዞ ብምሓዝ ቀሪቦም።

እቲ ምህዞኦም ክላሲፋየር ፊደላት ግእዝ ዝብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ኣይ ሁዋዌ ዝተሳተፉ ተምሃሮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

አብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ተምሃሮ ካብ ዩኒቫርስታት- ዋቻሞ -አዲስ አበባ ዩኒቬረሲቲ- ሳይንስን ቴክኖሎጂ አዳማ- ሳይንስን ቴክኖሎጂንአዲስ አበባ ዩኒቬረስታትን ዝተረክቡ ምኩኖም ሚኒስቴረ ትምህርቲ አፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም