ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 1500 ሜትሮ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 1500 ሜትሮ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/ 21/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ መረኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 1500 ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ተኸታቲለን ብምእታው ተዓዊተን።
ብመሰረት እዚ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 3 ደቒቕ 54 ሰኮንድን 03 ማይክሮ ሰከንድን ቀዳመይ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ 3 ደቒቕ 57 ሰከንድን 65 ማይክሮ ሰከንድን ካልአይቲ፣ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም 3 ደቒቕ 57 ሰከንድ 66 ማይክሮ ሰከንድ ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓዊተን።
ኣትሌት ወርቅነሽ መሰለ ድማ ነቲ ውድድር ብ4ቒቕ 01 ሰከነድ 81 ማይክሮ ሰከንድ ብምዝዛም ራብዓይ ደረጃ ሒዛ።