ኣመጋግባ ኣትክልቲ ንጥዕና ልቢ - ማዕዳ ተመራመርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣመጋግባ ኣትክልቲ ንጥዕና ልቢ - ማዕዳ ተመራመርቲ

ኣብ ኣመጋግባና ኣትክልቲ ቀዳምነት ምሃብ ንጥዕና ልቢ ጽቡቕ ምዃኑ ንኣርብዓ ዓመታት ኣብ ዝተኣከበ መረዳእታ ዝተገብረ ገምጋም ኣመልኪቱ።
ተመራመርቲ ደንማርክ ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ኣትክልትን ኣሕምልትን ጥራይ ዝተመስረተ ስርዓት ኣመጋግባ ነቲ ንወቕዒ ልቢ ክውስኽ ዝገብር ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ኮሌስትሮልን ስብሕን ክንኪ ይገብር።
ስጋን ጸባን እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎም ዝገልጹ ተመራመርቲ፡ ኵሎም ካብ ስጋ ነጻ ዝዀኑ ኣመጋግባታት ድማ ምሉእ ጥዕና ዝህቡ ከምዘይኰኑ ይጠቕሱ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ነቲ ተመራመርቲ ንወለንተኛታት ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባኦም መምርሒ ብምሃብን ኣብ ጥዕና ልቢ ዘለዎ ጽልዋ ብምክትታልን ካብ 1982 ጀሚሩ ንዘካየድዎም 30 ፈተነታት ብምጥርናፍ እዩ ገምጊሙ። ካብ መላእ ዓለም ብድምር ኣስታት 2,400 ሰባት ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፎም።
ልዑል መጠን ዘይጥዑይ ኮሌስትሮል፡ ኣብ ሰራውር ደም ስብሒ ንኽእከብ መንቀሊ ዝኸውን ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ወቕዒ ልቢ ከስዕብ ይኽእል።
ኣብ ኤውሮጳ ዝተሓትመ ውጽኢት እዚ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣሕምልትን ኣትክልትን ጥራይ ምምጋብ፡
- ዘይጥዑይ ኮሌስትሮል ብ10 ሚእታዊት ይንኪ
- ጠቕላላ ኮሌስትሮል ብ7 ሚእታዊት የጕድል
- ‘ኣፖሊፖፕሮቲን ቢ’ ንዝተበሃለ ኣብ 'ሕማቕ' ኮለስትሮል ዝርከብ ቀንዲ ፕሮቲን ብ14 ሚእታዊት የጥፍኦ።
ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደት ፕሮፌሰር ሩት ፍሪከ-ሽሚት ከምዚ ዓይነት ኣመጋግባ ን15 ዓመታት ምዕቃብ ንሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን (‘ካርዲዮቫስኩላር ዲዚዝ’) ብ20 ሚእታዊት ክቕንሶ ከምዝኽእል ትሕብር።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 18 ሚልዮን ሰባት ምስ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን (‘ካርዲዮቫስኩላር ዲዚዝ’) ብዝተሓሓዝ ንሞት ከምዝቃልዑ ይግምት።
ዋላ'ኳ ዝያዳ ኣብ ኣሕምልቲ ዝተመርኮሰ ኣመጋግባ ምዝውታር ጥዕናዊ ረብሓታት እንተሃለዎ፡ ነዚ ዓይነት ኣመጋግባ ዝኽተል ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ነቲ ብሰንኪ ንሕማም ልቢ ዘለዎ ተቓላዕነት ዝተኣዘዘሉ መድሃኒታት ምውሳድ ከቋርጽ ከምዘይብሉ እታ ዶክተር ተጠንቅቕ።
ፕሮፌሰር ፍሪከ-ሽሚት ስጋ ክግለል ከምዘይብሉ ግን ድማ "እቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ 'ኣብ ኣትክልቲ ዘትኮረ' ዝብል ከምዝዀነ" ብምሕባር እዚ’ውን ንጥዕናን ከባብን ጽቡቕ እዩ ትብል።
"ኵሎም ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሱ ኣመጋግባታት ማዕረ ኣይኰኑን" እትብል ፕሮፌሰር ኤዲን ካሲዲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ቤልፋስት፡ ከም "ዝተጻረዩ ካርቦሃይድሬት፡ ልዑል ስብሒ/ጨው ዘለዎም ዝተመስርሑ መግብታት" ዝኣመሰሉ ኣመጋግባታት ሕዚ'ውን ጥዕና ዘይብሎም ምዃኖም ትሕብር።
ብዛዕባ'ቲ ኣብዚ እዋን ዝረአ ኣዝዩ ብዝለዓለ መጠን ዝውስኽ ዘሎ ምስሩሕ ናይ ቪጋን መግብታት እውን ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። እዚ ካብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበረ ናይ ‘ቪጋን’ ኣመጋግባ ብጣዕሚ ዝተፈልየ እዩ።
ኣብ ኢንስቲትዩት ኳድራም ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ፕሮፌሰር ማርቲን ዋረን፡ "ከም ስጋ ዝኣመሰሉ ካብ እንስሳታት ዝርከቡ ፍርያት፡ ካልእ ረብሓታት ንዘለዎም ብፅዑቕ-መኣዛታት ንዝተመልኡ መግብታት ይውክሉ" ይብል።
"ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝራእቲ ዝተመርኮሰ ኣመጋግባታት እውን ኣብ ገለ መኣዛታት ክንእስ ይኽእል'ዩ። ስለዚ ብሓፈሻ፡ መጠን ስጋ ምንካይ ግን ድማ ሰፊሕን ዝተፈላለየን ኣመጋግባ ምሕላው ንጥዕና ጽቡቕ'ዩ" ክብል ማዕዳ ይህብ።