ብዲጂታል ግብርና ኣብ ስራሕቲ ምዕባይ ፍርያትን መፍረያይነትን ሓረስቶትን መራባሕቲ እንሰሳን ጭቡጥ ውፅኢት እናተመዝገቡ እዮም-ዶክተር ግርማ አመንቴ

157

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 19/2015 (ኢዜኣ) ብዲጂታል ግብርና ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ስራሕ ጭቡጥ ውፅኢታት እናተረኸቡ ምዃኖም ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ አመንቴ ተዛሪቦም።

"ዘተ ፓነል ዲጂታል ግብርና"ኣብ ሙዜም ሳይንስ እናተኻየደ እዩ።

ኣብቲ ዘተ ፓነል ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ መሓዙት ልምዓትን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣቕርቦታት ሓበሬታ፣ፋይናንስ፣እታዎታት፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ከምኡ እውን ሕፅረት ተበፃሕነት ኣገልግሎት ሜካናይዜሽን ኣብ ፍርያትን መፍረያይነትን ሓረስቶትን መራብሕቲ እንሰሳን ፈተናታት ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም።

ፍርያትን መፍረያይነትን ሓረስቶትን መራባሕቲ እንሰሳን ንምዕባይ መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብን ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ግብርና ፈተናታት ንምቕራፍ ካብቶም ትኹረት ዝተውሃበሎም ምዃኑን ኣረዲኦም።

መንግስቲ ሓረስቶትን መራባሕቲ እንሰሳን ዘማእኸለ ዲጂታል ግብርና ንክዝምን ብዝገብሮ ፃዕሪ ጭቡጥ ውፅኢታት እናተረኸቡ ምዃኖም እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም