ሃገር ቦቆል እንሳሳትን እፅዋትን ሓዊሱ ጉድኣት ብዝሃ ሂወት ንምውጋድ እቲ ማሕበሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምጥንኻር ይግባእ-ተመራመርቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ቦቆል እንሳሳትን እፅዋትን ሓዊሱ ጉድኣት ብዝሃ ሂወት ንምውጋድ እቲ ማሕበሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምጥንኻር ይግባእ-ተመራመርቲ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 19/2015 (ኢዜኣ)ን ሃገር ቦቆል እንሳሳትን እፅዋትን ሓዊሱ ጉድኣት ብዝሃ ሂወት ንምውጋድ እቲ ማሕበሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምጥንኻር ከምዝግባ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ገሊፆም።
እቶም ተመራመርቲ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ዋሕስ ህልውና ደቂ ሰባት ዝኾነ ብዝሃ ሂወት ሓደጋ ህልውና ኣጋጢምዎ ኢሎም።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትርን በዝሒ ህዝቢ ምውሳኽን ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪ ብዝሃ ሂወት ፕሮፌሰር ሰብስቤ ደምሰው፤ ምዝባዕ ለውጢ ከባብብያዊ ኣየር ንሓደጋ ብዝሃ ሂወት ሓደ መበገሲ እዩ ኢሎም።
ከም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝበሉ ከምኡ እውን ኣጠቓቕማ ትሕዝቶ መሬት ብዝሃ ሂወት ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ንምሕላውን መፍትሕታት ምዃኖም ሓቢሮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ተመራማሪ ብዝሃ ሂወት ዝኾኑ ፕሮፌሰር ኣየሁ ፈቃዱ ከምዝብልዎ፤ በዝሒ ህዝቢ ብቕልጡፍ እናወሰኸ ምምፅኡ ንሓደጋ ብዝሃ ሂወት መበገሲ ምኻኑ ኣረዲኦም።
ስራሕ ምሕዋይ ብዝሃ ሂወት እንትስራሕ ካብ መረፃ ቦታ ጀሚሩ እቲ ሕብረተሰብ ብበዓልዋናነት ንክሳተፍ ምግባር ከምዘድሊ እውን ፀሪሖም።
ኣብ ማእኸል ምርምር ግብርና ጂንካ ተመራማሪ ምትኩ ኣየለ ብወገኖም፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ደንታት ዝበፅሕ ጉድኣት ሓፈሻዊ ብዝሃ ሂወት ንክጉድኡ እናገበረ ምዃኑ ሓቢሮም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ዶክተር ፈለቀ ወልደየስ፤ ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ሓደጋ ህልውና እናጋጠሞ እዩ ኢሎም።
እቲ ኢንስቲትዩት፤ ሃገር ቦቆል እንሳሳትን እፅዋትን ሓዊሱ ጉድኣት ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ብሓለዋ ንምፅናሕ ዝርከብሉ ከባቢኦም ናይ ምሕላው ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢሎም።