ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልምዓት ግብርና ዘብፀሖ ፅዕንቶ ንምክልኻል ማእኸላት ጥምረት ምርምር ብምጥንኻርን ብምትሕብባርን ምስራሕ የድሊ-ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ምርምር እንሰሳት

243

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 18/2015 (ኢዜኣ) ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልምዓት ግብርና ዘብፀሖ ፅዕንቶ ንምክልኻል ማእኸላት ጥምረት ምርምር ብምጥንኻርን ብምትሕብባርን ምስራሕ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ምርምር እንሰሳት ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣናእሽተይ ሕርሻታት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ዓቕሚ ንምዕባይ ዝግበር መዋቕራዊ ለውጢ ግብርና ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ዝተሳተፍሉ ዓውዲ መፅናዕቲ ተኻይዱ።

ዳይሬክተር ተወካሊ ማእኸል ዓለም ለኸ ምርምር እንሰሳት ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ናሙኮሎ ኮቪች፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብፅዕንቶ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሃገራት እቲ ዞባ ንዝኸፍአ ድርቅን ሓደጋ ውሕጅን እናተቓልዓ እየን ኢሎም።

ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ብኣናእሽቲ ሕርሻታት ዝመሓደሩ ሓረስቶት ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምክልኻል ጥምረት ማእኸል ዓለም ለኸ ምርምር ግብርና ብምጥንኻርን ብምትሕብባርን ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ዶክተር ማንደፍሮ ንጉሴ፤ ኣብ ኢትዮጵያ 11 ዝኣኽሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋፈሩ ማእኸላት ጥምረት ዓለም ለኸ ምርምር ግብርና ከምዘለው ገሊፆም።

እዞም ትካላት እዚኦም ኣብ ጉዳያት ግብርና፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ውሕስና ምግብን ካልኦትን ምርምር ብምክያድ ሓበሬታን ምክረ ሓሳብን ዘቕርቡ እዮም ኢሎም።

ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ተሞኩሮ ምግብን ግብርናን ዶክተር ማርቲ ቫን ኒውኮፕ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምክልኻል ዘኽእሉ ዝነኣዱ ውፅኢታት ከምዝመዝገበት ኣረዲኦም።

ባንኪ ዓለም ኣብ ኣናእሽቲ ሕርሻታት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝበፅሖም ፅዕንቶ ንምቕናስ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም