ክብርታት ግብረገብነት ንወለዶ ብምስራፅ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ምህናፅ ይግባእ-ሙሁራንን መምህራን ሃይማኖትን

192

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2015 (ኢዜኣ) ክብርታት ግብረገብነት ንወለዶ ብምስራፅ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ምህናፅ ሓላፍነት ኩሉ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ሙሁራንን መምህራን ሃይማኖትን ገሊፆም።

ሙሁራንን መምህራን ሃይማኖትን ኣተዓባብያ ወለዶ፣ንሓባራዊነትን ህንፀት ሃገርን ክብርታት ግብረገብነት ንምጥንኻር ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ገይሮም።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ መምህር ስነ ልቦናን ስነ መለኮትን ዩኒቨርሲቲ ቅድስትስላሴ ቆሞስ አባ ጌዲዮን ብርሃነ፤ ግብረ ገብነት "ስምምዕነት ሕሊናን ልቦናን፣መሐለውታ ልክዕ ሰብነት"እዩ ኢሎም።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ላዕለዋይ ሓላፊ እስላማዊ ትካላት ኡስታዝ መሀመድ አባተ፤ ግብረገብነት ሰባት ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሶም ምስ ካልኦት ኣብ ዝህልዎም መስተጋብር ዘርእዩሉ ሰናይ ትውፊት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ትካል መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ መምህርን ተመራማርን ማሕበራዊ ሳይንስ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ዘላለም ተፈራ ፅንሰ ሓሳብ ግብረገብነት እንትገልፁ፤ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ዘለው ጉጅለኣዊ ስምዒታት ኣብ ሰናይ ተግባር ንምውዓል ዝሕግዝ ብከይዲ ግዜ ዝህነፅ ትምህርቲ ዕድመ ልክዕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም