ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ዝነበራ ታሪኻዊ ታራ መሪሕነት ሕዚ እውን ንኣፍሪካውያን ብምትሕብባር ክተጠናኽሮ ይግባእ-ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና

229

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 17/2015 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ዝነበራ ታሪኻዊ ታራ ጠንካራ መሪሕነት ሒዛ ሕዚ እውን ንኣፍሪካውያን ብምትሕብባር ክተጠናኽሮ ይግባእ ክብሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ተዛሪቦም።

ናይ ቀደም ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሎሚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝምስረት ሎሚ 17 ግንቦት 60 ዓመት መሊእዎ ኣሎ።

ኣመሰራርታ ናይ ቀደም ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሎሚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ፤ ሕብረት ኣፍሪካውያን ንምጥንኻር፣ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ኣፍሪካ ንምሕላው ከምኡ እውን ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምጉልባት ነፃነታ ዝተሓለወ ኣህጉር ንምፍጣር ዓሊሙ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1963 ከምዝተመስረተ እቶም ኣምባሳደር ኣዘኻኺሮም።

ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ዝተመስረተላን መንበር ኮይና ዝተሓረየትን ኢትዮጵያ እውን ካብ ምስረታ እቲ ውድብ ክሳብ ሕዚ መተካእታ ዘይብሉ ታራ ሒዛ ትዋሳእ ኣላ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፤ ሕብረት ኣፍሪካ ከም ትካል ናይ ምፍፃም ዓቕሙ እናዕበየ ምምፅኡን ኢትዮጵያ እውን ታሪኻዊ መሪሕነት ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣፍሪካውያን ንማዕርነትን ዲሞክራስን ጠንኪሮም ክሰርሑ እውን ሕድሪ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም