ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋዬ ገ/ሄር ሓገዝ ተገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋዬ ገ/ሄር ሓገዝ ተገይሩ

አዲስ አበባ /ግንቦት /17/2015/ ኢዜአ/ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ከተማ ዓዲ ግራት ብ15 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ፋፂ ንዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋዬ ገ/ሄር ግልጋሎት ሕክምና ክጅምር ንምግባር ክሳብ 10 ሚልዮን ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ተገይርሉ።
ፕሮቮስት ኮሌጅ ሕክምና ሚሊንየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ዶክተር ሲሳይ ስርጉ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቶም ናውቲ ሕክምና ኣብ ዘረከብሉ ግዜ ከምዝተዛረብዎ እቲ ኮሌጅ ዝገበሮ ሓገዝ እቲ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ስራሕ ንክጅምር ከምዝገብሮ ተዛሪቦም።
እቲ ሆስፒታል ዝተማልአ ግልጋሎት ብዝግባእ ክሳብ ዝህብ እቲ ኮሌጅ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።
ነቶም ናውቲ ሕክምና ዝተረከቡ ዋና ስራሕ ኣስፈፃሚ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ቃለክርስቶስ ግደይ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም።
ኮሌጅ ሕክምና ሚሊንየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ ሕዚ ንሆስፒታላት ደሴን ዓፋርን ሓገዝ ከምዝገበረ ካብቲ ኮሌጅ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።