መበል 60 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ሕብረት ኣፍሪካን መዓልቲ ኣፍሪካን ሎሚ ይክበር አሎ

249

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2015 (ኢዜኣ) ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሎሚ  ሕብረት ኣፍሪካ ዝተመስረተሉ መበል 60 ዓመትን መዓልቲ ኣፍሪካን ሎሚ ይክበር አሎ

"መዓልቲ ኣፍሪካ"መሪር ቃልሲ ነፃነትን ብሩህ ተስፋን ኣፍሪካውያን ኣብ ግምት ብምእታው ዝኽበር እንትኸውን፤ ኣፍሪካውያን ባህሎም፣ትውፊታቶምን ስልጣነኦምን ንመላእ ዓለም ዘፋልጥሉ በዓል እዩ።

እቲ በዓል ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር እቲ ሕብረት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣፍሊጡ።

መዓልቲ ኣፍሪካ ንኣፍሪካውያን ፍሉይ መዓልቲ እዩ ዝበለ እቲ ሕብረት፤ ኣፍሪካውያን ኢምፔሪያሊዝም፣ባዕዳዊ መግዛእትን ኣፓርታይድን ንምዐላው ብሓባር ጠጠው ንምባል ዝወሰነሉ መዓልቲ እዩ ኢሉ።

ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሎሚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዝምስረት ሎሚ 17 ግንቦት 60 ዓመት መሊእዎ።

እቲ ሕብረት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1963 ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ምትሕብባርን ሓድነትን ኣፍሪካ ንምጥንኻር፣ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ኣፍሪካ ንምሕላው ከምኡ እውን ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምሕያል ነፃነታ ዝተሓለወ ኣህጉር ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝቕፅሉ 50 ዓመታት እታ ኣህጉር ብሃፍቲ ምጣነ፣ፖለቲካውን ማሕበራውን ዕቤት ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትበፅሕ ብምሕሳብ ዛዕባ 2063 ተቐሪፁ ናብ ተግባር ተኣትዩ እዩ።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ዝተመስረተላን መንበር ኮይና ዝተመረፀትን ኢትዮጵያ እውን ካብ ምጅማር ምስረታ እቲ ትካል ክሳብ ክውን ምዃን ርኡይ እጃም ኣለዋ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም