ግብርና ሓዊሱ ካልኦት ዝተፈላለዩ ምህርትታት ከም ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝሕለውሉ ስርዓት ምፍጣር የኽእል እዩ ዝተብሃለ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

191

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 16/2015 (ኢዜኣ) ግብርና ሓዊሱ ካልኦት ዝተፈላለዩ ምህርትታት ከም ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝሕለውሉ ማዕቐፍ ሕጊ ምድላው ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ። ወፃኢ እቲ ፕሮጀክት ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ከምዝሽፍኖ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር በለጠ ሞላ፤ ኢትዮጵያ ዘለውዋ ፍርያታት ግብርና ሓለዋ ኣእምሮኣዊ ንብረት ክግበረሎም ምግባር ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፍልጠት ማሕበረሰብ ኣይተ ታደሰ ወርቁ ብግደኦም፤ እቲ ማዕቕፍ ሕጊ ዝሓዞ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ ብሽም ቦታ ንዝፅውዑ ፍርያታት ሓለዋ ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝገብር ምዃኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን ኣዋጅን ደንብን ብምድላው ዋንነት ምልክታት ንግዲ ንምሕላው ካብ ዝተፈተኑ ከይድታት ብተወሳኺ ብፅሬት ቦትኦም ዝፅርሑ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ከም ኣእምሮኣዊ ንብረት ዝሕለውሉ ስርዓት ንምፍጣር እቲ ፕሮጀክት ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም