መበል 64 ፎረም ትንተናን ትንበያን ኩነታት ፀባይ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ

212

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 16/2015 (ኢዜኣ) መበል 64 ፈሮም ትንተናን ትንበያን ኩነታት ፀባይ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

እቲ ፎረም፤ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ምስ ማእኸል ትንበያ ኣየር በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ብምትሕብባር ዘዳለውዎ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም፤ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ፣ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ክንፈ ሃይለማርያም ሓዊሱ ኣባል ሃገራት በይነ ኢጋድን ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ዓውድን ተረኺቦም።

ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዝካየድ እቲ ፎረም ኣብ ኩነታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝጠመቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ፓነል ዘተታትን ዝካየድሉ መድረኽ እዩ።

ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ብብርኪ ሰብ ሞያ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 64 ፎረም ትንተናን ትንበያን ኩነታት ፀባይ ኣየር ምብራቕ ኣፍሪካ ሎሚ ብዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክዛዘም እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም