ሓደጋታት ተፈጥሮ ንምክልኻል ዝተጠናኸረ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 15/2015 (ኢዜኣ) ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝፍጠሩ ሓደጋታት ተፈጥሮ ንምክልኻል ዝተጠናኸረ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ትካል ኮንግረስ ሜቲሮዎሎጂ ዓለም እናተሳተፉ ዝርከቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ዶክተር አብርሃ አዱኛ ከምዝሓበርዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ከም ድርቂ፣ውሕጅ፣ቃፀሎ ደንን ምህማም መሬትን ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት መበገሲ ብምዃን ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ከባብታት ደቡብን ምብራቕን ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ንተኸታታሊ 5 ዓመታት ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ከም ኣብነት ሓቢሮም።

ሓደጋታት ተፈጥሮ ንምክልኻል ስርዓት ቅድመ ጥንቃቐ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ንሓለዋ ኸባቢ ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከም መርኣያ ክውሰድ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ጀኔቫ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 19 ትካል ኮንግረስ ሜቲሮዎሎጂ ዓለም፤ ንዝቕፅሉ 10 መዓልትታት ከምዝቕፅል ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም