ዜጋታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክሳተፉ ብምግባር ማሕበራዊ ፀገማት ንምቕራፍ እናተሰርሐ እዩ-ኣይተ ደመቀ መኮንን - ኢዜአ ትግርኛ
ዜጋታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክሳተፉ ብምግባር ማሕበራዊ ፀገማት ንምቕራፍ እናተሰርሐ እዩ-ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 15/2015 (ኢዜኣ) መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክሳተፉ ብምግባር ንማሕበራዊ ፀገማት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብርኦም ንምምሕያሽ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም።
ሚኒስቴር ማሕበራውን ደቂ ኣንስትዮን ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ̎ማሕበራዊ ሓለዋ ንህንፀት ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
እቲ ጉባኤ፤ ማሕበራዊ ሓለዋ ንዘላቒ ልምዓት፣ንማሕበራዊ ምትእስሳርን ንህንፀት ሃገርን፣ኣብ መንጎ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዎ እጃም ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ተወከልቲ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ልምዓት ተዓዲሞም እዮም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን፤ ለበዳ ኮቪድ-19ን ካልኦት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፅዕንቶታትን ብብርኪ ዓለም ለኸ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መስተጋብራት ልዑል ፅልዋ ኣሕዲሮም እዮም ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ዜጋታት ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክውደቡ ብምግባር ድኽነት ኣብ ዝቕንሱን መፍረያይነት ኣብ ዘመሓይሹን ስራሕቲ ትኹረት ብምግባር ማሕበራዊ ፀገማት ንምቕራፍ እናሰርሐ ምዃኑ ኣብራህሪሆም።