ቅልውላው ሱዳን፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ'ኳ እንተተገብረ ደብዳብ ነፈርትን ውግእን ደው ኣይበለን

261

 

 

ክልቲኦም እቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ተዅሲ ከቋርጹ' እንተተሰማምዑ፡ እቲ ስምምዕ ሰዓታት ከይገበረ ደብዳብ ነፈትን ምልውዋጥ ተዅስን ክገብሩ ስለዘምሰዩ፡ ነቲ ተስፋ ተነቢርዋ ዝጸንሐ ስምምዕ ከየበርዕኖ ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።

ክልቲኦም እቶም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ንሰዓት ዓሰርተ ርብዒ ጐደል ጀሚሮም ንሸውዓት መዓልታት ዝቕጽል ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩዮም ተፈራሪሞም ነይሮም።

እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ገና ሰዓታት ከየቝጸረ ኣብ ካርቱምን ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅስን ደብዳብ ነፈርትን ከምዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

እቲ ውግእ፡ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን[ሕሜቲ] ኣብ መንጐኦም መን ዓብለለ ዘንቀሎ ምስሕሓብ 15 ሚያዝያ ናብ ምሉእ ውግእ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ብተደጋጋሚ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብሩ እንተተሰማምዑ፡ ኵሉ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክኣለን።

ክልቲኦም ወገናት ብመንጐኛነት ስዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ዝገበርዎ ስምምዕ ግን ብዙሕ ተስፋ ዝተነበሮ እዩ ነይሩ።

እቲ ካብ ትማሊ ምሸት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን ዝተበሃለ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ተመሳሳሊ ዕጫ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሑ ስምምዓት ንኸየጋጥሞመቈጸጸሪ ኣገባባትከም ዝተገበረሉ እተን ነቲ ሽምግልና ዝመርሓ ዘለዋ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢረን ነይረን።

እንተዀነ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን ሰዓታት ምስ ተረፎ ሓላፊ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብድምጺ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲእዚ ዕልዋ ክሳብ ንውድኦሰራዊቱ ድሕር ከምዘይብሉ ገሊጹ።

መሰኻኽር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሰዓታት ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምእካሉ ድሕሪ ደቓይቕ፡ ኣብ ሰሜን ካርቱም ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ክስማዕ እንከሎ ኣብ ምብራቕ እታ ከተማ ከኣ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻደ ገሊጾም።

መዳውብቲ ካርቱም ኣብ ዝዀና ከተማታት ኡምዱርማንን ባሕርንውን ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝነበረ ነበርቲ ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ክልቲም እዞም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ነናቶም ሰራዊት ሒዞም ብሓደ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ንምእላይ ዓቢይ ተራ ነይርዎም።

ንቐዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ምስ ኣለይዎ ከኣ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣቦ ወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ከኣ ምክትሉ ብምዃንዮም ክሰርሑ ጸኒሖም።

ኣብ መንጎ በዞም ክልተ ጀነራላት ዝመርሑ ሰራዊት  ውግእ ካብ ዝውላዕ፡ ኣማኢት ከምዝሞቱን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ዝግለጽ ዘሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም