ሎሚ ዓመት 240 ሽሕ ዝኾኑ ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መውፅኢ ፈተና ክወስዱ'ዮም

 

አዲስ አበባ/ግንቦት/15 /2015 /ኢዜአ /  ኣብ 2015 ካብ መንግስታውን ውልቃውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት 240 ሽሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ብበይነ መረብ መውፅኢ ፈተና ንምሃብ ከምዝተዳለወ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2015 ብፕሮግራም ቀዳማይ ዲግሪ ንዝምረቑ ተምሃሮ ብሉ-ፕሪንት መውፅኢ ፈተና ዝተዳለወ እንትኾን፣ ረቂቕ መምርሒ ተመን ክፍሊት መውፅኢ ፈተና ከምዝተዳለወ እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣብራህሪሆም።

መውፅኢ ፈተና ንምትግባር ዘኽእል መምርሒ ተዳልዩ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ'ውን ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፣ መምርሒ መፈፀሚ ስትራቴጂ መውፅኢ ፈተናን ምድላዋት መርሃ ግብሪ ትግበራን ከምዝተዛዘመ ኣብራህሪሆም።

ኣብ መውፅኢ ፈተና ዝካተቱ ዓይነታት ትምህርቲ ተፈልዮም፣ ኣብ ቅድመ-ምረቓ ኣብ ዝወሃቡ ኩሎም ዓውድታት ትምህርቲ መርኣዪ ንድፊ ፈተና ከምዝተዳለወ መብራህርሂ ምሃቦም መረዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም