ሎሚ ዘበን ንዝግበር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊዩ ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ዘበን ንዝግበር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊዩ ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2015 (ኢዜአ)ሎሚ ዘበን ንዝግበር መበል ሓምሻይ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊዩ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሎሚ ዘበን ብሓባር ንእነንብሮ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ተዳሊዩ ኣሎ” ኢሎም።
ኣብቲ መርሃግብሪ ፈልስታት ፍራምረ ብበዝሒ ክንተክል ኢና ክብሉ ገሊፆም።