ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ተፋሰስ ግብርና ዘኹርዕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓለፍቲ ስራሕ ዘፈር ግብርና እተን ክልላት ገሊፆም። - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ተፋሰስ ግብርና ዘኹርዕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓለፍቲ ስራሕ ዘፈር ግብርና እተን ክልላት ገሊፆም።

ክልላት ብስራሕቲ ተፋሰስ ግብርና ዘበረታትዕ ውፅኢት እናመዝገባ ይርከባ
አዲስ አበባ /ግንቦት /14/2014/ኢዜአ/ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ተፋሰስ ግብርና ዘኹርዕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓለፍቲ ስራሕ ዘፈር ግብርና እተን ክልላት ገሊፆም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ኣምሓራ ዶክተር ኣልማዝ ጊዜው ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝተዛረብኦ፣ ኣብቲ ክልል ኣብ 8 ሽሕን 548 ተፋሰሳት ንምስራሕ ተተሊሙ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ንላዕሊ ከምዝተሰርሐ ገሊፀን።
ከም ገለፃ ዶክተር ኣልማዝ፣ ነቲ ትልሚ ንምፍፃም ቅድመ ምድላው ተገይሩ። ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምርምርን ንመፍረዪ ሞያዊ ስልጠና ስለዝተውሃበን ፅቡቕ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።
ኣብቲ ስራሕቲ ተፋሰስ ብኽነት ሰዓትን ጉልበትን ከም ክፍተት ከምዝተስተዓለ ብምግላፅ፣ ነዚ ንምስትኽኻል ንቐፃሊ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብምምራፅ ዝበለፀ ከምዝስራሕ ገሊፀን።