ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ግብፂ ኣምሪሖም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ግብፂ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ / ግንቦት /14/ 2015 (ኢዜአ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ግብፂ ኣምሪሖም።
እቲ መድረኽ ካብ ሎሚመዓልቲ ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ሻርማ ኤል ሼክ ግብፂ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።
ለውጢ ክሌማ ኣብ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምግታእን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ዘለዉ ብድሆታትን ዕድላትን ዝዝቲ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ትማሊ ኣብ ሻርም ኤል ሼክ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዞባ መብራቕ ኣፍሪካ ምስታፎም ተሓቢሩ።