ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ዝተፈጠረ ቅልውላው ስነ ልቦና ንምፅጋን ዝሕግዝ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

208

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት /14/ 2015 (ኢዜአ)ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ዝተፈጠረ ቅልውላው ስነ ልቦና ንምፅጋን ዝሕግዝ ስልጠና ስነ ልቦናዊ ምንቕቓሕ ኣብቲ ክልል ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና ዝተፈጠረ ቅልውላው ስነ ልቦና ካብ ምፅጋን ብተወሳኺ ብፍላይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ንምፍጣር  ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ንኣመራርሓን ፈፀምቲ ኣካላትን ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዝ ኣብ ከተማ ውቕሮ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ / ፃድቃን ገብረትንሳኤ፥ እቲ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ስነ ልቦና ነበርቲ ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተዛሪቦም።

ብምኽኒያት እቲ ኲናት ብዙሓት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛትን ኢንዱስትሪታትን ካብ ስራሕ ወፃእ ከምዝኾኑን ንልዑል ማሕበራዊ ቅልውላው ተቓሊዖም ከምዝፀንሑን ሓቢሮም።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ፌዴራል ኢኮኖሚ እቲ ክልል ንምንቕቓሕ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ብፍላይ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዘቕረቦ ስልጠና ምድሓን ስነ ልቦና ህፁፅ ምላሽ ይህብ ኣሎ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ / /ሕይወት፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኢንተርፕራይዛት ዘለውዎም እዋናዊን ሕልኽላኽን ፀገማት ተሓሳቢ ዝገበሩ ደገፋት ይግበሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ነዚ ደገፍ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ካብ መንግስቲ ፌዴራል ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም።

እቲ ሰልጠና ንልዕሊ 120 ኣፈፀምቲ እቲ ዓውዲ ዝወሃብ ዘሎ እንትኸውን፥ ክሳብ 17 ግንቦት ከምዝፀንሕ ኣብ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም