ንጎደና ተመሓዳደርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ንጎደና ተመሓዳደርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ
204
አዲስ አበባ /ግንቢት /14/2015 /ኢዜአ / ልዕሊ 22 ሽሕ ጎደና ተመሓዳደርቲ ተረባሕቲ ዝገበረ ፕሮጀክት ተቐሪፁ ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶክተር) ከምዝገለፅኦ፤ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ጎደና ንዝርከቡ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ተቐሪፁ ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ሃገርና ብሓዱሽ መልክዕ ዝተቐረፀ እንትኸውን ኣብ መጀመርታ ዙር ኣብ 11 ከተማታት ተግባራዊ ተገይሩ ልዕሊ 22 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ገይሩ።
ከም መብሪሂ እተን ሚኒስትር፤ እቲ ፕሮጀክት ዜጋታት ጎደና ናብ ትካላት ብምእታው ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ድጋፋትን ክረኽቡ ዝገብር እንትኸውን እዚ'ውን ዜጋታት ዳግም ናብ ጎደና ንኸይምለሱ ዝሕግዝ እዩ ክብላ ሚኒስትር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኤርጎጌ ተስፋዬ ገሊፀን።ከም ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢቲዮጺያ።