ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ኮይና - ኢዜአ ትግርኛ
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ኮይና

በዚ ድማ፥ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ብምዃን ሽማ ኣብ ልዑል ስፍራ አቅሚጣ ኣላ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 2021፣ 2022 ዓ.ም.ፈ ፀዋዕ ፕሪሜር ሊግ ከም ዝወሰደት ዝዝከር’ዩ።
ትማሊ ኖቲንግማን ፎረስት ኣብ ልዕሊ ኣርሴናል ዘመዝገበቶ ዓወት፥ ማንቸስተር ሲቲ ቻምፕዮን ምዃና፣ ኣርሴናል ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ከምእትዛዝምን ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ድሕሪት ከም ዘይትምለስን ኣረጋጊፁ።
ማንቸስተር ሲቲ ትማሊ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ምዃና ድሕሪ ምርግጋፃ፥ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 2006-07፣ 2007-08፣ 2008-09 ኣከታቲላ ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ ማንቸስተር ሲቲ’ውን ነዚ ክብሪ እዚ ታዓዲላቶ ኣላ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሓደ ዓመት ንዋንጫ ፕሪሜርሊግ፣ ቻምፕዮንስ ሊግን ኤፍኤካፕን ብምዕዋት ኣብ ሓደ ዓመት ንሰለስቲኡ ፅዋዕ ዝወነነት ብሕታዊት ጋንታ ዝብል ክብሪ ሒዛ ቅድሚ ኩሉ ተሰሪዓ ከም እትርከብ ዓለም ሙሉዑ ሓበሬታ ጨቢጣ አላ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ አሎ።