ቅልውላው ሱዳን፡ ክልቲኦም ወገናት ንሸውዓተ መዓልታት ቶኵሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

295

 

ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን መራሕቲ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኲሲ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ሰዓታት ከይኣቁጸረ ክፈርስ ጸኒሑዩ።

እንተዀነ እዚ ሕዚ ዝተበጽሐ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ተመሳሳሊ ዕጫ ንከየጋጥሞነቲ ምቁራጽ ቶኵሲ መቆጸጸሪ ኣገባባትከም ዝተገበረሉ እተን ነቲ ሽምግልና ዝመርሓ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢረን።

እቶም ተጻባእቲ ወገናት፡ ብዘይካ እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ፡ መሰረታዊ ነገራት ዳግማይ ንኽጅምሩውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ኣብ ሞንጎ በዞም ክልት ጀነራላት ዝመርሑ ሰራዊት  ኵናት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብታ ሃገር መግቢ፡ ሰልድን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ብርኡይ ከንቆልቑል እንተሎ ብፍላይ ኣብታ ሕምብርቲ ኵናት ኰይና ዘላ ካርቱም እቲ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ብተደጋጋሚ ክሕብራ ጸኒሐንየን።

ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበጽሕ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመርን ሰራዊት ካብ ዓሪደሙሉ ዘለዉ ሆስፒታላት ከንሳሕቡን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ንኽልቲኦም ወገናት ዘሸማገላ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ካብ ጸባሕ ንግሆ ንስዓት ዓሰርተ ርብዒ ጎደል ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊጸን ኣለዋ።

ክልቲአን ኣሸማገልቲ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኣለ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ እዞም ክልተ ወገናት ከም ኣብነት ብምውሳድ እዚ ናይ ሕዚ ስምምዕ ካብኡ ዝተፈለየ ከም ዝዀነ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽአኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብቲ መግልጺዘይከም እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተበጽሐ ስምምዓት ምቁራጽ ቶኵሲ፡ እዚ ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኣሜሪካ፡ ስዑድያን ካልኢት ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝድገፍ መቆጻጸሪ ኣገባባት ክህልዎዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ብትዊተር ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲሕዚ ድምጺ ብረት ጠጠው ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ዝኣትወሉ ግዜኢሉ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብክልቲኦም ወገናት በዚ ስምምዕ ክግዝኡ ክምሕጸን ይፈቱ፡ ምሉእ ዓለም ኣዒንቱ ናብኡኢሉ።

ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ክልቲኦም ኣቦ ወንበርን ምክትልን ናይቲ ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሓ ልኡላዊ መንግስቲ ኰይኖም ተመጣጣኒ ዝዀነ ሓይሊ ሰራዊት ዝጸንሖም ጀነራላትዮም።

ብሰንኪ ኣብ ሞንጎዞም ክልተ ጀነራላት 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሕበራት ሃገራት ክገልጽ እንተሎ፡ እቲ ኩነታት ካብዚ  እናብኣሰ ከይከይድ ዘለዎ ስክፍታ ክገልጽ ጸኒሑዩ።

እዞም ክሸማገሉ ናብ ስዑድ ዓረብ ዘምርሑ ክልተ ወገናት ንክልተ ሰሙን ኣብ ርሱን ክትዕዮም ቀንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም