ቅልውላው ሱዳን፡ ክልቲኦም ወገናት ንሸውዓተ መዓልታት ቶኵሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም - ኢዜአ ትግርኛ
ቅልውላው ሱዳን፡ ክልቲኦም ወገናት ንሸውዓተ መዓልታት ቶኵሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

ኣብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን መራሕቲ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኲሲ ክገብሩ ከም ዝተሰማምዑ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ሰዓታት ከይኣቁጸረ ክፈርስ ጸኒሑ’ዩ።
እንተዀነ እዚ ሕዚ ዝተበጽሐ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ተመሳሳሊ ዕጫ ንከየጋጥሞ “ነቲ ምቁራጽ ቶኵሲ መቆጸጸሪ ኣገባባት” ከም ዝተገበረሉ እተን ነቲ ሽምግልና ዝመርሓ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ ሓቢረን።
እቶም ተጻባእቲ ወገናት፡ ብዘይካ እቲ ምቁራጽ ቶኵሲ፡ መሰረታዊ ነገራት ዳግማይ ንኽጅምሩ’ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ኣብ ሞንጎ በዞም ክልት ጀነራላት ዝመርሑ ሰራዊት ኵናት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብታ ሃገር መግቢ፡ ሰልድን ካልእ መሰረታውያን ነገራትን ብርኡይ ከንቆልቑል እንተሎ ብፍላይ ኣብታ ሕምብርቲ ኵናት ኰይና ዘላ ካርቱም እቲ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ብተደጋጋሚ ክሕብራ ጸኒሐን’የን።
ክልቲኦም ወገናት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበጽሕ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመርን ሰራዊት ካብ ዓሪደሙሉ ዘለዉ ሆስፒታላት ከንሳሕቡን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ንኽልቲኦም ወገናት ዘሸማገላ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ካብ ጸባሕ ንግሆ ንስዓት ዓሰርተ ርብዒ ጎደል ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊጸን ኣለዋ።
ክልቲአን ኣሸማገልቲ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኣለ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ እዞም ክልተ ወገናት ከም ኣብነት ብምውሳድ እዚ ናይ ሕዚ ስምምዕ ካብኡ ዝተፈለየ ከም ዝዀነ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽአኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ።
ኣብቲ መግልጺ “ዘይከም እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተበጽሐ ስምምዓት ምቁራጽ ቶኵሲ፡ እዚ ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኣሜሪካ፡ ስዑድያን ካልኢት ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝድገፍ መቆጻጸሪ ኣገባባት ክህልዎ’ዩ” ዝብል ሰፊሩ ኣሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ብትዊተር ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ “ሕዚ ድምጺ ብረት ጠጠው ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ዝኣትወሉ ግዜ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ክልቲኦም ወገናት በዚ ስምምዕ ክግዝኡ ክምሕጸን ይፈቱ፡ ምሉእ ዓለም’ዩ ኣዒንቱ ናብኡ ” ኢሉ።
ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ክልቲኦም ኣቦ ወንበርን ምክትልን ናይቲ ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሓ ልኡላዊ መንግስቲ ኰይኖም ተመጣጣኒ ዝዀነ ሓይሊ ሰራዊት ዝጸንሖም ጀነራላት’ዮም።
ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ’ዞም ክልተ ጀነራላት 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሕበራት ሃገራት ክገልጽ እንተሎ፡ እቲ ኩነታት ካብዚ እናብኣሰ ከይከይድ ዘለዎ ስክፍታ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።
እዞም ክሸማገሉ ናብ ስዑድ ዓረብ ዘምርሑ ክልተ ወገናት ንክልተ ሰሙን ኣብ ርሱን ክትዕ’ዮም ቀንዮም።