ማንቸስተር ሲቲ ቻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ኰይና - ኢዜአ ትግርኛ
ማንቸስተር ሲቲ ቻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ኰይና

ማንቸስተር ሲቲ ትማሊ ኣርሴናል ብኖቲንግሃም ፎረስት ስለ ዝተሰዓረት፡ ኣብ ገዝኣ እንከላ ቻምፕዮን ፕሪሜርሊግ እዚ ዓምት ምዃና ኣረጋጊጻ።
ማንቸስተር ሲቲ ገና ሰለስተ ጸወታታት ተሪፍዋ እንከሎ'ያ ቻምፕዮን ምዃን ኣረጋጊጻ ዘላ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ብምዃን ሽማ ኣወሪቓ ኣላ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 2021 ከምኡ’ውን 2022 ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ ከም ዝወሰደት ዝዝከር’ዩ።
ትማሊ ኖቲንግማን ፎረስት ኣብ ልዕሊ ኣርሴናል ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ሰለስት ዓበይቲ ሓቅታት’ዩ ኣግሂዱ - ማንቸስተር ሲቲ ቻምፕዮን ምዃና፡ ኣርሴናል ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ከምእትውድእን ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ድሕሪት ከም ዘይትምለስን።
ማንቸስተር ሲቲ ትማሊ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ምዃና ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 2006-07፡ 2007-08፡ 2008-09 ኣከታቲላ ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ማንቸስተር ሲቲ’ውን ነዚ ክብሪ እዚ ተጎናጺፋቶ ኣላ።
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሓደ ዓመት ንዋንጫ ፕሪሜርሊግ፡ ቻምፕዮንስ ሊግን ኤፍኤካፕን ብምዕዋት ኣብ ሓደ ዓመት ንሰለስቲኡ ዋናጫ ኣብ ከብሓ ዝሰቐለት እንኰ ጋንታ ዝብል ክብሪ ሒዛ ትርከብ።
ማንቸስተር ሲቲ’ውን ብተመሳሳሊ ነዚ ክብሪ እዚ ክትጎናጸፍ ኣብ ኣፋፊት’ያ ዘላ።
ብጀካ እዛ ትማሊ ዘውሓሳታን ሎሚ ምስ ቸልሲ ድሕሪ ምጽዋት ብወግዒ እትቕበላን ዋንጫ ፕሪሜርሊግ፡ ኣብ ኤፍኤካፕ ንፍጻም ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ 3 ሰነ፡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ከኣ 10 ሰነ ኣንጻር ኤሲ ኢላን ጸወታ ክህልዋ’ዩ።
ብዙሓት ንህሉው ብቕዓት ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ግምት ብምእታው ክልቲኡ ጸወታታት ክትዕወተሉ ከምእትኽእል ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ካብ 2009 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን ምስ ሕጋጋት ፋይናንስ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 1000 ክስታት ቐሪቡላ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ዝዝከር ኰይኑ፡ እታ ብጋርድዮላ እትስልጥን ማንቸስተር ሲቲ በዚ ከይተሰናበደት’ያ ምራሸኣ ብዓወት ክትቅጽል ክኢላ።
ማንቸስተር ሲቲ ዓሚ ቻምፕዮን ፕሪሜርሊግ ኣብ ዝኾነትሉ ነታ ነንዊሕ ኣዋርሕ ትመርሕ ዝነበረት ሊቨርፑል ኣላሽ ኣቢላ’ያ ክትዕወት ክኢላ።
ሎሚ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ ነታ ድሕሪ 19 ዓመት ዋንጫ ክትወስድ’ያ ዝተብሃለላ ኣብ ሰሌዳ ፕሪሜርሊግ ንኣስታት 300 መዓልታት ዝመርሐት ኣርሴናል ማይ ማይ ኣቢላ “ቆልዓስ ይጎዩ’ምበር ኣይቕድምን’ዩ” ዝብል ምስላ ከም ዝለግባ ገይራታ ኣላ።