ግምታት ፕሪሚየር ሊግ፡ ሲቲ ቻምፒዮን ምዃና ክተረጋግጽ ድያ? ዝወርዳ ጋንታታትከ እንመን እየን?

594

 

ተጻወትቲ ማንቸስተር ሲቲ ኢካይ ጉንዶዋንን ናታን ኣከን ነዚ ዋንጫ ንምዕታር ቀሪቦም 

ሌስተር ሲቲ ኣብ 2016 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ተዓዊታያ። ሎሚ ዓመት ግን ካብ ፕሪሚየር ሊግ ትውርድ ዘላ ትመስል።

ሰኑይ ኣንጻር ኒውካስል እንተዘይተዓዊታ ድማ፡ ካብቲ ሓያል ሊግ ክትወርድ ክትግደድ እያ።

ኣብዚን ኣብቶም ቀዳምን ሰንበትን ዝካየዱ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ዘሎ ግምታት ውጽኢት እንታይ ይመስል?

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ስቶን ኣብዞም ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ግምታቱ ሂብሉ ኣሎ።

ቀዳም

ቶተንሃ ኣንጻር ብሬንትፎርድ

ዋላ' ውጽኢት ዝሓለፉ ሰለስተ ጸወታታት ቶተንሃም ብትኽክል እንተገመትኩ፡ ኣብዚ ጸወታ ግን እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን።

ቶተንሃም ኣብ ሊግ ኤውሮጳ ክትሳተፍ ትደሊ ድያ? ኣብ ሻብዓይ ደረጃ እንተዛዚማ ዕጫኣ እዚ እዩ።

ብሬንትፎርድ፡ ብሰንኪ ቁማር ዝተኣገደ ኢቫን ቶኒ ከይሓዘት እያ ክትጻወት።

ቦርንማውዝ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ

እዚ ዓመተ ስፖርት ክጅመር ከሎ ማንቸስተር ዩናይትድ ይትረፍ ንዋንጫ ካራባኦ ሰለስተ ጸወታ እናተረፋ ንራብዓይ ደረጃ ክትቃለስ እያ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን።

እታ ጋንታ ግን ካብዚ ሓሊፋ ንፍጻመ ኤፍኤ ካፕ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ ክትጻወት ትሸባሸብ ኣላ።

ቦርንማውዝ ካብ ምውራድ እንተተረፈት'ውን ንማንቸስተር ዩናይትድ ብቐሊሉ ኢዳ ክትህብ ዘይሕሰብ'ዩ።

እንተዀነ ኣብዚ ጸወታ ማን ዩናይትድ ክትዕወት እያ ኢለ እግምት።

ዩናይትድ ካብ ዝተረፋ ሰለስተ ጸወታታት ክልተ እንተድኣ ተዓዊታ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክንርእያ ኢና።

ፉልሃም ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ

ኣጥቃዓይ ፓላስ ዊልፍሪድ ዛሃ ብሰንኪ መጕዳእቲ ኣብዚ ጸወታ ኣይሳተፍን። ኤቤሬቺ ኤዜ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ምህላዉ ግን ንፓላስ ጽቡቕ ዜና እዩ።

እንተዀነ ፉልሃም ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ጸወታታት ንሌስተርን ሳውዝሃምፕተንን ዝሰዓረት ፉልሃም፡ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ክትዕወት እያ ኢለ እሓስብ።

ሊቨርፑል ኣንጻር ኣስቶንቪላ

ኡናይ ኤምረ ናብ ኣንፊልድ ብምቕናዕ ንጋንታ የርገን ክሎፕ ክፈታተን እዩ ኢለ ይግምት።

ዋላ' ንኣስቶንቪላ ጽቡቕ ግምት እንተሃብኩ፡ ኣብ ዝሓለፈ 7 ጸወታታት ዝተዓወተት ሊቨርፑል ኣብዚ ጸወታ እትሰዓር ኣይመስለንን።

ሊቨርፑል ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታኣ ምስ ሳውዝሃምፕተን ክትገጥም እያ።

እዚ ድማ 4 ደረጃ ሒዛ ንምዝዛም ማንቸስተር ዩናይትድ ወይ ኒውካስል ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታታተን ነጥቢ ክስእና ኣለወን ማለት እዩ።

ዎልቭዝ ኣንጻር ኤቨርተን

ኤቨርተን ካብ ሜድኣ ወጻኢ ናይ መወዳእታ ጸወታኣ ብዘይ ኣጥቃዓይ ካልቨርት ለዊን ክትጻወት ትኽእል እያ።

ኤቨርተን ኣብ ልዕሊ ብራይተን 51 ክትዕወት ዝኸኣለት ብካልቨርት እናተመርሐት ነይሩ።

ግን ዎልቭዝ እውን ብቐሊሉ እትስዓር ኣይመስለንን። ስለዚ ድማ እዚ ጸወታ ብማዕረ ክዛዘም ይብል።

ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ኣርሰናል

ኣርሰናል ምስ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ዝተፈላለየት ትመስል። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብብራይተን ኣብ ዝተሰዓረትሉ እዋን ሕልማ ጸልሚቱዩ።

ዓመተ ስፖርት ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣርሰናል ኣብ ክንዲ ብቕዓት፡ ድኽመት ከተርኢ ጀሚራ።

ኖቲንግሃም ንኣርሰናል ብቐሊሉ ኢዳ ክትህብ ዘለዋ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።

ሰንበት

ዌስትሃም ኣንጻር ሊድስ ዩናይትድ

ዌስትሃም ንግዚኡ ካብ ምውራድ ድሒና ኣላ። ሌስተርን ሳውዝሃምፕተንን ኣየርክብኣን። ሊድስን ዌስትሃምን ማዕረ ነጥቢ ሒዘን ክዛዝማ ይኽእላ እየን።

ካብ ዝሓለፉ 5 ጸወታታት ሊግ 4 ተሳዒራ' እንተዀነት፡ ኣሰልጣኒ ዴቪድ ሞየስ ግን ኣቓልቦኡ ናብ ሊግ ኣውሮጳ ገይሩ ኣሎ።

ሊድስ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ካብ ሜድኣ ወጻኢ ካብ ዘካየደቶ ጸወታታት ክልተ ጥራይ እያ ተዓዊታ።

ብራይተን ኣንጻር ሳውዝሃምፕተን

ሳውዝሃምፕተን ካብ ፕሪሚየር ሊግ ምውራዳ ኣረጋጊጻያ። ስለዚ ምስ ብራይተን ክሳድን ንክሳድን ክትተሓናነቕ እያ ዝብል እምነት የብለይን።

ሕጂ እቲ ሕቶ መወዳእታ ሳውዝሃምፕተን እንታይ ክኸውን እዩ ዝብልዩ። እቲ ኣሰልጣኒ ምስታ ጋንታ ክጸንሕ ድዩ ወይስ ኣይጸንሕን? ከምኡውን ከም በዓል ዋርድ-ፕሮውስ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ዕጫኦም እንታይ?

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ቸልሲ

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሪያል ማድሪድ ኣብ ኢቲሓድ ናብ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ንምብጻሕ ኣብ ዝገበረቶ ቃልሲ ተረኺበ ነይረ። ሲቲ ፍልይቲ ጋንታ እያ ነይራ።

ኣርሰናል ብፎረስት እንተተሳዒራ ማንቸስተር ሲቲ ቀዳም ተዓዋቲት እቲ ሊግ ምዃና ክተረጋገጽ እያ። እንተዀነ ኣብ ሜድኣ ንቸልሲ ካብ ምስዓር ንድሕሪት ትብል ኣይመስለንን።

ቸልሲ ብቕዓት ይዅን ውጥን ዘለዋ ጋንታ ኣይኰነትን። ገለ መስተንክር ብቕዓት ዘለዎም ተጻወትቲ' እንተተሓወሱ፡ ከም ጋንታ ክጻወቱ ኣይረኣናዮምን።

ማንቸስተር ሲቲ ከም በዓል ፎደን፡ ማህረዝን ጁልያን ኣልቫረዝን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ሒዛ ኣብ ሜዳ ብዓወት ክትዛዝም እብል።

ኒውካስል ኣንጻር ሌስተር

ሌስተር ካብተን ኣብ ትሕቲ ፍርቂ ደረጃ ሰንጠረዥ ዝርከባ ክለባት ዝሓሸ ውጽኢት ሸቶ ኣለዋ ብዘይካ' ካብ 8 ደረጃ እትርከብ ኣስቶንቪላ ዝዛይድ ሸቶ ኣመዝጊባ እያ።

ብሉጻት ኣጥቃዕ' እንተሃለዉዋ፡ ኣብ መዳይ ምክልኻል ግን ርኡይ ድኽመት ክተርኢ ጸኒሓ እያ። ጆኒ ኢቫንስ ካብ ማህረምቲ ተመሊሱ ኣሎ፤ ግን ነታ ጋንታ ከድሕና ኣይከኣለን።

ስለዚ' ድማ ነታ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ ትቃለስ ዘላ ኒውካስል ዝፈታተኑ ኣይመስለንን ዝብል።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም