ፕረዚደንት ኬንያ፡ 'ዕሽነት ይኣክል' ብምባል ጀነራላት ሱዳን ውግእ ደው ከብሉ ጸዊዑ

259

 

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተራጸምቲ ጀነራላት ሱዳን እቲ ካልኣይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ውግእ ደው ንኸብሉ ንኻልኣይ ግዜ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታት ባሕርን ኦምዱርማንን ጽዑቕ ውግኣት ዋላ ይቕጽል እንተሎ፡ ብመንጐኝነት ስዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን ኣብ ጅዳ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን (RSF) ዝርርብ ክካየድ ቀንዩ እዩ።

እዚ ውሕስነት ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ተዅሲ ደው ንምባልን ዝዓለመ እዩ።

እዞም ጀነራላት ብገንዘብ ኣፍሪቃ ዝተዓደገ ወተሃደራዊ መሳርሒ ተጠቒሞም ንዅሉ ነገር፡ ጽርግያታት፡ ሆስፒታላት፡ ድልድላት ብቦምባታት የዕንዮምዎ ኣለው። ኵላትና እቶም ጀነራላት ነቲ ዕሽነት ደው ከብሉ ክንነግሮም ኣለናክብል ፕረዚደንት ሩቶ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ባይቶ ፓን ኣፍሪቃ ገሊጹ።

እቲ ምስ ንተነሓናሕቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ምትዕራቕ ክሕግዝ ዕማም ዝተዋህቦም ካልኦት ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃን ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ ተወኪሉ ዝኸደ መራሒ ኬንያ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ንገበነኛታትን ግብረሽበራውያንን ንምምካት እምበር ንህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ክውዕል ከምዘይግባእ ገሊጹ።

ይዅንምበር፡ "ናይ ገዛእ ርእስና ሰላምን ጸጥታን ብኻልኦት ስለ ዝምወል" ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ናይ ምባል ዓቕሚ የብለንን ክብል ነቒፉ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ ኣብ መንጐ ኣዛዚ ሰራዊት ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመርሕ ምክትሉ ነበር መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣስታት 1000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።

እቲ ናዕቢ ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ገይሩ፤ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካርቱም ዘለዉ ድማ ብህይወት ንምጽናሕ ይቃለሱ ከም ዘለዉን ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን፡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ብዓብላሊ መልክዑ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓወት ከምዘመዝገቡ ንምግላጽ፡ ንሓድሕዶም ንምጽላምን ደገፍ ህዝቢ ንምርካብን ይጽዕሩ።

ጀነራል ሕሜቲ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ግንባር ምርኡይነቱ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ጐድኒ ገስገስቲ ሓይልታት ክስለፍ ፈቲኑ ኣሎ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ኲናት ዳርፉር ብዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ከምኡውን ድሕሪ ምእላይ ኣልበሽርን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብጀነራል ቡርሃንን ጀነራል ሕሜቲን ዝተመርሐ ዕልዋ መንግስቲን ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታት፡ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ደሞክራሲ ብዝተፈጸመ ቀታሊ ጨፍጫፍ፡ ኣብ ታሪኽ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሩ እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ዓብላልነቱ እንተቐጺሉ፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ዳርፉር ተመሊሶም ክድፍኡ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ንግርጭታት ቀቢላታት ከጋድድ ዝኽእል ናዕቢ ከቀላጥፍ እዩ።

ኣብ ጐረቤት ሃገር ቻድ ጃምላዊ ምዝንባል ሲቪላውያንን ዕጡቓት ተዋጋእትን ከምዝተራእየን እዚ ድማ ንሓደጋ ዞባዊ ግጭት ከምዘዕብዮን ተገሊጹዩ። ዘይውሕስነትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ንጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን እውን ይሃስየን ኣሎ።

ስዑዳውያንን ኣሜሪካውያንን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝዋግኡ ጀነራላት ገለ ደረጃ ምትእስሳር' እንተሃለዎም፡ ንውሽጣውን ከባቢያውን ዳይናሚክስ ክጸልዉ ኣይክእሉን።

ቡርሃንን ሕሜቲን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝመጸ ተበግሶታት ሽምግልና እውን ነጺጐሞ ኣለዉ።

ምፍራም ስምምዕ ጅዳ ንባዕሉ ዓወት' እንተነበረ፡ ንዝደቐቐ ዝርዝር ኣገባባት ኣተገባብራ ዘጠቓልል ኵለመዳያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ግን ዝያዳ ዘተ ዘድልዮ እዩ።

እቲ ዝበለጸ ግን፡ ንሱዳን ናብ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ መወዳእታ ድማ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ናብ መስመር ዝመልስ ስምምዕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም