ማንቸስተር ሲቲ ንርያል ማድሪድ ድሂኻ ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ

581

 

በርናርዶ ሲልቫ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ብምዃን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ 12 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ

ማንቸስተር ሲቲ ብዘደንቕ ብቕዓትን ዘተኣማምን ሽቶታታን ንርያል ማድሪድ ድሂኻ ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ብምሕላፋ፡ ነታ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ንኤሲ ሚላን ስዒራ ናብ ፈጻመ ዝሓለፈት ኢንተር ሚላን ክትገጥምያ።

ማንቸስተር ሲቲ ቅድሚ ሕዚ ክልተ ግዜ ብርያል ማድሪድ ኣብ ፍርቂ ፍጻም ተሳዒራ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ ትማሊ ግን ሕነ ዝፈደየትሉ ጸወታ ኣካይዳ።

ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜዳ ርያል ማድሪድ ማዕረ ሓደ ብሓደ ዝተፈላለየት ማንቸስተር ሲቲ፡ ትማሊ ንርያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ምሉእ ብምሉእ ዓብሊላታ።

ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ መበል 23 ከምኡ ከኣ 37 ደቂቕ ካብ ፖርቱጋላዊ በርናርዶ ሲልቫ ክልተ ሸቶታት ዝረኸበት ማንቸስተር ሲቲ፡ ድሕሪ ዕረፍቲውን ብተመሳሳሊ ዕብለላ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ካብ ማንኤል ኣካንጂ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ከኣ ካብቲ ተቐይሩ ዝኣተወ ጁልያን ኣልቫረስ ሓንቲ ሸቶ ብምርካብ ነታ ዝበዝሐ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝዓተረት ርያል ማድሪድ ብኣርባዕተ ሸቶታት ኣደንዚዛ ከምዘይነበረት ገይራታ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ብሓፈሻ 5 1 ብምስዓር ናብ ዋንጫ ተማዕዱ ዘላ።

ማነቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኢንተር ሜላን ኣብ ኢስታንቡል 10 ሰነ ክትገጥም።

ብዙሓት ሰባት ናይ ትማሊ ጸወታ ማንቸስተር ሲቲ ከምኡ'ውን፡ ኢንተርሚላን ኣንጻር ኤሲ ሚላን ዘርኣየቶ ድኹም ጸወታን ብምርኣይ እታ ዋንጫ ብዘይጥርጥር ማንቸስተር ሲቲ ከምእትዕወተላ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ዘሎ መውሃቢ ድምጺውን 85 ሚኢታዊት ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ፡ እታ ዋንጫ ንማንቸስተር ሲቲ ሂቦማ ኣለዉ። ግምት ብዙሓት እንተስዒሩ ከኣ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ታሪኻ ፈላመይቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ከብሓ ክትሰቕል'ያ።

ማንቸስተር ሲቲ ንሰለስተ ዋናጩ ተማዕዱ ዘላ፡ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ንዋንጫ ፕሪሜር ሊግን ንኤፍ ካፐን።

ማንቸስተር ሲቲ ሰንበት ኣንጻር ቸልሲ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ ፕሪሜርሊግ እንተተዓዊታ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ከምዝኾነት ከተረጋግጽያ፡ 3 ሰነ ከኣ ኣንጻር ጓል ከተማኣ ማንቸስተር ዩናይትድ ንዋንጫ ኤፍ ካፕ መን ወሰደ ክትፋለምያ።

ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ 14 ግዜ ብምዕዋት ኣብ ቅድሚተ እትስራዕ ርያል ማድሪድ፡ ካብ 2015 ንነጆ ጥራይ፡ ነታ ዋንጫ ኣርባዕተ ግዜ ክትዕወተላ ክኢላያ፡ ትማሊ ግን ነዚ ፍናን እዚ ዘዕኑ ስዕረት ኣጋጢምዋ። ሕሉፍ ታሪኻ ካብ መሾንቦባ ሽቶታት ማንቸስተር ሲቲ ኣየዕቐላን።

ርያል ማድሪድ እዛ ዓመት ኣይቐዳዊታያ ክብሃል ይክኣልዩ፡ ብዘይካ እዚ ትማሊ ዘጋጠመ ገዚፍ ስዕረት፡ ኣብ ላሊጋውን ብባርሲሎና ብገፊሕ ተመሪሓ፤ ባርሲሎና ገና ኣርባዕተ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ ዕውትቲ ላሊጋ ኮይና ዘላ።

ናይ ትማሊ ስዕረት ንወንበር ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ካርሎ ኣንቸሎቲ ነቕ ነቕ ዘበለ ነይሩ። ኣብ መዝነቱ ክጸንሕ ድዩ ኣይጸንሕን ብሕጂ ዝርአ ኮይኑ፡ ካርሎ ኣንቸሎቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘመዝገቦ ዓወታት እቲ እንኮ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተሉ ኣሰልጣኒ ካብ ምዃን ግን ዝዓግቶ የለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም