ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ማሽን ቴሌፕሪንት ከም ሓድጊ ንክቕመጥ ንብሄራዊ ሙዜም ተዋሂቡ

318

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 9/2015(ኢዜኣ) ብኢትዮጵያዊ ኢንጅነር ተረፈ ራስወርቅ ዝተሰርሐ ፈላማይ ናይ ኣምሓርኛ ማሽን ቴሌፕሪንት ከም ሓድጊ ንክቕመጥ ብቤተሰቦም ንብሄራዊ ሙዜም ተዋሂቡ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው፤ እቲ ማሽን ኣብ ብሄራዊ ሙዜም ምቕማጡ እቲ ሓድጊ ሃፍቲ ህዝቢ ንክኸውንን ሓዱሽ ወለዶ ንስራሕቲ ፈጠራ ንክለዓዓልን ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም