80 ሚኢታዊ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቈልዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰኑ ምንባብ ይሽገሩ

288

 

80 ሚኢታዊት ቆልዑ ደቡብ ኣፍሪቃ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ክዀኑ እንተለው ምንባብ ከም ዝጽገሙ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

2021 ክእለት ምንባብ 400 ሽሕ ተመሃሮ ዓለም ኣብ ዝዳህሰሰ መጽናዕቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ካብ ሞንጐ ዝተጸንዓ 57 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።

2016 . (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ሞንጐ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቈልዑ ዘሎ መሃይምነት ካብ 78 ሚአታዊት ናብ 81 ሚኢታዊት ዓብዩ እዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ነዚ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ንዝነበረ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ነቒፉ።

እዚኣዝዩ ዘሕርቕ ትሑትውጽኢት እዩ ዝበለት ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ኣንጊ ሞትሼጋ ስርዓት ትምህርቲ እታ ሃገር ድኽነት፣ ዘይምዓርነትን ሕጽረት ዘይተማልአ ትሕተ ቅርጽን ሓዊሱ ኣገደስቲ ታሪካዊ ጸገማት ነይሮምዎ እዮም ትብል።

ኣብ ብዙሓት መባእታ ኣብያተ ትምህርቲመምሃሪ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፋዊ ኣፈጻጽማ ጥራይ ዘተዀረ ኰይኑ፡ ንባብ ንምርዳእ ሸለል ብምባል ንጽሑፋዊ ቃላት ትርጉምኣብ ምሃብ ዘተኰረ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 81 ሚኢታዊት ህጻናት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቶም 11 ወግዓዊ ቋንቋታት እታ ሃገር ብዝዀነ ይኹን ንምርዳእ ከንብቡ ኣይክእሉን።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ሞሮኮን ግብጽን ጥራሕ እየን ክእለት ንባብ ቈልዑ ትሸዓተን ዓሰርተን ዓመትን ንምፍላጥ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን።

እዚ ኣብ ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ሓድሽ ሰደቓ ዓለማዊ ሊግ ትምህርቲ ሲንጋፑር 587 ነጥቢ ብምምጻእ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ ደቡብ ኣፍሪቃ 378 ነጥቢ ንዘምጽአት ግብጺ ስዒባ 288 ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ።

ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእኸላይ ነጥቢ 500 እዩ።

ዳርጋ ኣብ ኩለን እዚ መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ብምንባብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝነፍዓ የርኢ።

ስርዓተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ሞንጐ ጸዓዱን ጸለምትን ተመሃሮ እታ ሃገር ብዝጸንሐ ዘይምዕሩይነት ተሃስዩ እዩ።

ትምህርቲ፡ መንግስቲ እቲ ብሕታዊ ልዑል ባጀት ዘውጽኣሉ ጽላት እኳ እንተዀነ ትሑት ውጽኢት ትምህርቲ ምምጽኡ ኣዝዩ ኣቘጢዑዎ እዩ።

ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዘለው ሕጽረት ንንባብ ዝሕግዙ ናውትን ትሕተ ቕርጽን ነዚ ቅልውላው ኣበርክቶ ገይሮምዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም