80 ሚኢታዊ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቈልዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰኑ ምንባብ ይሽገሩ - ኢዜአ ትግርኛ
80 ሚኢታዊ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቈልዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰኑ ምንባብ ይሽገሩ

80 ሚኢታዊት ቆልዑ ደቡብ ኣፍሪቃ ደቂ ዓሰርተ ዓመት ክዀኑ እንተለው ምንባብ ከም ዝጽገሙ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ብ2021 ክእለት ምንባብ 400 ሽሕ ተመሃሮ ዓለም ኣብ ዝዳህሰሰ መጽናዕቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ካብ ሞንጐ ዝተጸንዓ 57 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።
ብ2016 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ሞንጐ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቈልዑ ዘሎ መሃይምነት ካብ 78 ሚአታዊት ናብ 81 ሚኢታዊት ዓብዩ እዩ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ነዚ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ንዝነበረ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ነቒፉ።
እዚ “ኣዝዩ ዘሕርቕ ትሑት” ውጽኢት እዩ ዝበለት ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ኣንጊ ሞትሼጋ ስርዓት ትምህርቲ እታ ሃገር ድኽነት፣ ዘይምዓርነትን ሕጽረት ዘይተማልአ ትሕተ ቅርጽን ሓዊሱ ኣገደስቲ ታሪካዊ ጸገማት ነይሮምዎ እዮም ትብል።
ኣብ ብዙሓት መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ “መምሃሪ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፋዊ ኣፈጻጽማ ጥራይ ዘተዀረ ኰይኑ፡ ንባብ ንምርዳእ ሸለል ብምባል ንጽሑፋዊ ቃላት ትርጉም” ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ምዃኑ ገሊጻ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 81 ሚኢታዊት ህጻናት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቶም 11 ወግዓዊ ቋንቋታት እታ ሃገር ብዝዀነ ይኹን ንምርዳእ ከንብቡ ኣይክእሉን።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ሞሮኮን ግብጽን ጥራሕ እየን ክእለት ንባብ ቈልዑ ትሸዓተን ዓሰርተን ዓመትን ንምፍላጥ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን።
እዚ ኣብ ምዝዛም ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ሓድሽ ሰደቓ ዓለማዊ ሊግ ትምህርቲ ሲንጋፑር 587 ነጥቢ ብምምጻእ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ ደቡብ ኣፍሪቃ 378 ነጥቢ ንዘምጽአት ግብጺ ስዒባ ብ288 ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ።
ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእኸላይ ነጥቢ 500 እዩ።
ዳርጋ ኣብ ኩለን እዚ መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ብምንባብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝነፍዓ የርኢ።
ስርዓተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ሞንጐ ጸዓዱን ጸለምትን ተመሃሮ እታ ሃገር ብዝጸንሐ ዘይምዕሩይነት ተሃስዩ እዩ።
ትምህርቲ፡ መንግስቲ እቲ ብሕታዊ ልዑል ባጀት ዘውጽኣሉ ጽላት እኳ እንተዀነ ትሑት ውጽኢት ትምህርቲ ምምጽኡ ኣዝዩ ኣቘጢዑዎ እዩ።
ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዘለው ሕጽረት ንንባብ ዝሕግዙ ናውትን ትሕተ ቕርጽን ነዚ ቅልውላው ኣበርክቶ ገይሮም’ዮም።