ባርሰሎና ኣርባዕተ ተረፍ ጸወታ ገና እናሃለዋ ቻምፕዮን ላሊጋ ኮይና - ኢዜአ ትግርኛ
ባርሰሎና ኣርባዕተ ተረፍ ጸወታ ገና እናሃለዋ ቻምፕዮን ላሊጋ ኮይና

ባርሲሎና ካብ ዘካየደቶ 34 ጸወታተት ኣብ 27 ክወትዕወት ክኢላ
ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባርሰሎና ትማሊ ንጓል ከተማኣ ጋንታ ኢስፓንዮል ድሕሪ ምስዓር ድሕቲ 2018-2019 ንመጀመርታ ግዜ ቻምፕዮና ላሊጋ ስጳኛ ኮይና።
ባርሳ ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ሸቶታት፡ በቲ ኣብቲ ሊግ 20 ሸቶታት ዘመዝገበ ልዋንዶውስኪ ሓንቲ ሸቶ ከኣ ካብ ባልደ ብምምዝጋብ 3 ን 0 ብምምራሕ’ያ ዓብላልነታ ኣመስኪራ።
ድሕሪ ዕረፍቲ’ውን ኣብ መበል 53 ደቂቕ ካውንደ ራብዓይቲ ሸቶ ስለዘመዝገበ ዓወት ባርሳ ዳርጋ ርጉጽ ኮይኑ።
ድሒራ ዝተበራበረት ኢስፓንዮል ኣብ መበል 73 ደቂቕ ካብ ፓውዶ፡ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ከኣ ካብ ጀሰሉ ሸቶ እኳ እንተኣመዝገበት ጸወታ 4 ብ 2 ተዛዚሙ።
እዚ ውጸኢት ንባርሳ ገና ኣርባዕተ ጸወታታት ተሪፍዋ እንተሎ ቻምፕዮን ምዃና ዘረጋግጽ ክኸውን እንተሎ ነታ ኣብ መበል 19 ደረጃ ተስሪዓ ዘላ ኢስፓንዮል ግን ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድላ ዘራጉድ’ዩ ነይሩ።
ባርሳ ኣብ 34 ጸወታታት 85 ነጥቢ ብምውህላል ነታ ብተመሳሳሊ ጸወታ ብ71 ነጥቢ ካልኣይቲ ዘላ ርያል ማድሪድ ብ14 ነጥቢ ስለዝማሕደገትላ ብሕጂ እትጻወቶ ጸወታታት ክብራ ንምዕቓብ ጥራይ’ዩ ክኸውን።
ባርሳ ክሳብ ሕዚ ካብ ዘካየደቶ 34 ጸወታታት ኣብ 27 ክትዕወት እንከላ፡ ኣርኣበዕተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ 3 ግዜ ጥራይ ከኣ ተሳዒራ።
ባርሳ፡ ሜሲ ኣብ ነሓሰ 2021 ካብታ ጋንታ ካብ ዝወጽእን፡ ዛቪ ኣብ ሕዳር 2021 ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ካብ ዝኸውን ናይ መጀመርታ ፅዋዕ እያ ትዓትር ዘላ።
ተጻወትቲ ባርሰሎና ነታ ፅዋዐ ብሕዚ’ኳ ዝውሃብዋ እንተኾኑ ጸወታ ምስ ተዛዘመ ንሶምን ደገፍቶምን ናብ ጽንብል’ዮም ኣትዮም።
ደገፍቲ ናይታ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ሰፊሕ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ዘሎ ኢስፓንዮል ብወገኖም ብውጸኢት ጋንትኦም ብምቑጣዕ ናብ ውሽጢ ሜዳን መቐየሪ ክዳን ተጻወትትን ብምእታው ጭውነት ዘይነበሮ ባህሪ’ዮም ኣርእዮም።
ኢስፓንዮል ኣብ ዝሓለፈ 11 ጸወታታት ትሽዓት ግዜ’ያ ተሳዒራ።
ኢስፓንዮል ብሓፈሻ ካብ 34 ጸወታት ሸውዓተ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ ዓሰርተ ግዜ ማዕረ ወጺኣ 17 ግዜ ተሳዒራ፡ 31 ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣላ።
ምስ ባርሳ ን17 ዓመታት ዝተጻወተን ሸሞንት ግዜ ዘውዲ ላሊጋ ዝደፈአን፡ ናይ ሕዚ ኣሰልጣኒ ባርሳ ዛቪ፡ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ቀዳመይቲ ዋንጫ ላሊጋ ናብ ከብሒ እታ መባልዕቱ ዝኾነት ባርሳ ኣበርኪቱ ኣሎ።
እዛ ፅዋዐ ነቲ ምስ ባርሳ ብምዃን ን18 ዓመታት ዝተጻወተ ሓለቃ እታ ጋንታ ሰርጆ ቡስኬት፡ ልዕሊ ማንም ኣገዳሲት ነይራ። ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ካብታ ጋንታ ብወግዒ ስለዝፋኖ ታሪኹ ብፅዋዐ ክዛዝም ኣኽኢላቶ ኣላ።
ወዲ 34 ዓመት ሰርጆ ቡስኩት እዛ ፅዋዐ መበል ታሽዓይቲ ዋንጫ ላሊጋ ክትኮነሉ ክኢላ ኣላ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ምስ ባርሰሎና ብምዃን ናይ መጀመርታ ሸቶታት ዘመዝገቡ ባልደን ካውንደን ከኣ ኣብ ቦኽሪ ሽቶታቶም ዋንጫ ክግዘሙ ክኢሎም ኣለዉ።
ቀንዲ ሜዳ ባርሲሎና 'ኖው ካምፕ'፡ ካብ ዝመጽእ ዓመት ንኽሕደስ ክዕጾ’ዩ፡ እንተኾነ ባርሰሎና ቀዳም ኣንጻር ርያል ሶሲዳድ፡ 28 ግንቦት ከኣ ኣንጻር ሞሎርካ ኣብ ሜድኣ ክትገጥም ስለዝኾነት ደገፍታ ኣብ ሜድኦም ኮይኖም ሓጎሶም ክጽንብሉ ከኽእሎም’ዩ።