ቅልውላው ሱዳን፡ ክልቲኦም ወገናት ድሕነት ሰለማውያንን ምእታው ረድኤትን ተሰማሚዖም

293

እቲ ሕዚ ተቢጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰብኣዊ ረደኤት ክኣቱን ሰላማውያን ሰባት ካብ ዞባ ውግእ ክሃድሙን ዘፍቅድ'

እቶም ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብ ሓያል ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን [ሕሜቲ] ዝመርሑ ሓይልታት ሱዳን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱን ንድሕነት ሰለማውያን ሰባትን ከምዝሰርሑ እንተተሰማምዑ፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምግባር ግን ክሰማምዑ ከምዘይክኣሉ ተገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ብመንጐኝነት ስዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ኣብ ጅዳ ክገብርዎ ዝጸንሑ ዘተ፡ ኣሜሪካ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ገፊሕ ከምዝዀነ ብምሕባር እቲ ዘተከቢድከምዝነበረ ገሊጻ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳንን፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን በብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት ንኽበጽሕን ሰባት ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ንኽእለዩ ከምዘፍቅዱ ሓቢሮም።

እቲ ዘተ ካብ ዝጅመር ዓሰርተ መዓልታት ኣቝጺሩ ዘሎ፡ ገናውን እቲ ስምምዕ ተበጺሑሉ ዘሎ ስምምዓት ብኸመይ ይተግበር ኣብ ዝብል ቴክኒካዊ ነጥብታትን እቲ ክሳብ ሕዚክሰማምዕሉ ዘይክኣሉ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝምልከት ብመንጐኝነት ስዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ዘተ ይቕጽሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ።

ትማሊ ሓሙስ ካርቱም ብኸቢድ ኲናት ተናዊጻ እንተወዓለት፡ ብተዛማዲ ክርአ እንከሎ እቲ ኵነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናሃደአ ይኸይድ ከምዘሎ ዝግለጽ።

እቲ ኲናት፡ ብመሰረት ሲቪላዊ መሰገጋሪ መንግስቲ ንምትካል ዝነበረ ውዕል፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ክጽንበሩ ንዝቐረበሎም ሕቶ ስለዝነጸግዎ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 700 ሽሕ ሰብ ክመዛበል እንተሎ፡ ቍጽሪ ናይቶም ካብ ሱዳን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝሃድሙ ዘለዉ ሱዳናውያን ናብ 800 ሽሕ ክዓርግ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከርዩ።

ከም ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዝኣመሰላ ንጉዳይ ሱዳን ዝሽምግላ ዘለዋ ሃገራት፡ እቲ ነዞም ተዋጋእቲ ወገናት ናብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘቕርባኦ መሰማምዒ ሓሳባት ሱዳን ናበይ ገጻ ከተምርሕ ትኽእል ወሳኒ ስለዝዀነ ኣብ መዋጥርየን ቀንየን።

ነዚ መረጋገጺ ዝኸውን ከኣ፡ ኣሜሪካ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ገፍሕ ከምዝዀነ ብምሕባር እቲ ዘተከቢድከምዝነበረ ምግላጻዩ።

ኣብ ሱዳን ኲናት ደው ክብል እንተዀይኑ፡ ኣሜሪካን ስዑድያን ኣብቶም ብክልቲኦም ጀነራላት ተላኢኾም ኣብ ጅዳ ዝርከቡ ሰሰለስተ ተዛተይቲየን ክምርኮሳ።

ሱዳን ብዑመር ኣልበሽር ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ምስ ተመርሐት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብህዝቢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ተጀመረ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተሓዊስዎ እቲ ስርዓት ተኣልዩ።

እዞም ሕዚ ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ክልተ ጀነራላት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ምሉእ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክበጽሑ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ግምታት ክውሃብ ጸኒሑዩ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንሱ ነቲ ሕጋዊ መንግስቲ ዝውክል ሕጋዊ ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ከምዝዀነን ነቲ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ከም ተቓዋሚ ገይሩ እዩ ዝሓስቦ።

እንተዀነ ክሳብ' ኲናት ዝውላዕ ሕሜቲውን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ምክትል ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ስለዝነበረ፡ ንነብሱ ከም ተቓዋማይ ኣይሓስባንዩ።

ሓያል ሓይልታት ሰራዊት ዝመርሑ ዘለው፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ  ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን

ነታ ቀንዲ ማእከል ኲናት ኰይና ዘላ ካርቱም፡ ዝበዝሐ ክፋላ ኣብ ትሕቲ ሕሜቲ ዘላ። ልኡኻት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተዀይኖም፡ ሰራዊት ሕሜቲ ካብ ካርቱም ይውጻእ ዝብል ነጥቢ ከም ቅድመ ኵነት ክመጽእ ከም ዝኽእል ክግመት ምጽንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ነቲ ዘተ ከቢድ ካብ ዝገበሮ ነጥብታት ምዃኑ ይግመት።

ቀንዲ ኣብቲ ነቶም ኣሸማገልቲ ንምፍትሑ ግድል ክዀኖም ዝኽእል ነጥቢውን እዚ ከምዝዀነ፡ ፈጻሚ ዳይረከተርዎርልድ ፒስ ፋውንደሽንኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓሚቝ ኣፍልጦ ዘለዎ መምህር ሕጊን ዲፕሎማስን ኣብ ዩኒቨርስቲ ቱፍትስ ኣሌክስ ደዋል ቅድሚ ኣርኣባዕተ መዓልታት ገሊጹ ነይሩ።

ክልቲኦም ተዛተይቲ ሕዚ ኣብ ስዑድያ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ሓይሊ ሚዛን ናበይ ገጹ ከምርሕ ይኽእል ቅርጺ ዝህብ ስለዝዀነ ብጥንቓቐዮም ከካይድዎ ግድን እዩ፤ ኣብዚ ዘተ ዝተዓበለለ ኣብ ፖለቲካዊ ምዕብላሉ ስለዘይተርፎ።

እዞም ክልተ ጀነራላት ካብ 2019 ጀሚሮም፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ምስግጋር ሓንጊዶም ንሱዳን ክመርሕዋ ጸኒሖምዮም፡ እዚኣ ክልተኦም ጀነራላት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ከምዘይደልዩ እተርኢ ነጥቢያ።

እቲ ካልእ ክልተኦም ክሰማምዕሉ ዝኽእሉ ነጥቢ ኣብ ኲናት ገበን ንዝገበሩ ምሕረት ምግባር ዝብል ክኸውን ይኽእልዩ።

ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተ ተወኪስና፡ ብጀነራላት ዝግበር ዘተ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዝዛዘም።

እንተዀነ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ውግእ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ሱዳን ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ክትሽመም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝነበረን ኣብ 2021 ካብ ስልጣን ዝተኣለየን ዓብደላ ሓምዶክ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት መዕለቢ እንተዝተገይርሉ፡ ካብቲ ኣብ የመንን ሶርያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክብእስ ከምዝኽእል ስክፍታኡ ገለጹ ነይሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም