ናይ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ትሑት ልህቀት ካርበንን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይሰዓርን ስትራቴጂ ልምዓት ዕላዊ ኮይኑ

249

ኣዲስ ኣበባ/ጉንበት 3/2015 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ትሑት ልህቀት ካርበንን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይብዳህን ስትራቴጂ ልምዓት ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ እቲ ስትራቴጂ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ደመቀ መኮንን፣ሚኒስትራትን መሓዙት ትካላት ልምዓትን ተረኺቦም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ክሳብ 2050 ዝትግበር ስትራቴጂ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ስትራቴጂ ምስ ኣብ 2015 (ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ) ዝፀደቐ ስምምዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝተዋደደ እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ እዚ ስትራቴጂ ልምዓት፤ ኣብ 2050 ልህቀት ካርበን ዜሮ ንምብፃሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተፀሪሑ።

ሚኒስትር ልምዓትን ፕላንን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ከምዝበልኦ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ናብራ ደቂ ሰባት ዘዛብዕ ዓለም ለኸ ጠንቂ እዩ።

ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር መጠን ሙቐት ዓለም ካብ 1 ነጥቢ 5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከይሓልፍ ኣብ ስምምዕ በፂሐን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ተዛሪበን።

ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂ ልምዓት ትሑት ልህቀት ካርበን ኢትዮጵያ ብዝተማልአ መልክዑ ተግባራዊ እንትኸውን ክሳብ 2050 ሓፈሻዊ ዕቤት ፍርያት እታ ሃገር ሕዚ ካብ ዘለዎ 66 ሚኢታዊ ከዕብዮ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ተገሊፁ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም