ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን ብ27 ሚልዮን ብር ንዝተሰርሐ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ስይ መሪቖም ከፊቶም

317

አዲስ አበባ /ግንቦት/ 2 /2015 / ኢዜአ /  ኣብ ጣብያ ከሻፍ ወረዳ መንጌ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ 27 ሚልዮን ብር ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን ተመሪቑ።

እቲ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ብሓገዝ ናሽናል ፕሮግራም ዋን ዋሽ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ።እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማእኸል እቲ ጣብያ ንዝርከቡ ልዕሊ 10 ሽሕን 500 ክፍልታት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ዝገብር እዩ።

ንመስርሒ እቲ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዕሊ 27 ሚልዮንን 607 ሽሕን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን፣ ቀንዲ ጉዳይ መንግስቲ ንዝኾነ ሰላም ብምርግጋፅ ንሕብረተሰብ ተረባሒ ንምግባር እናሰርሖም ዝርከብ ስራሕቲ ዘበረታትዕ ውፅኢት ይርከበሎም ከምዘሎ ገሊፆም።

ተጠቀምቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንዝኾኑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ጣብያ ከሻፍን ከባቢኡን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

መንግስቲ ንሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።ኣብቲ ምርቓት ንምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ግልታሁን ኣብዲሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ተረኺቦም ክብል ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም