ሰብሰርሖ ብልሒ ንሰብ ክትክእ ኣይክእልን' - መስረትቲ ኣፕል

317

ሓባራዊ መስራቲ ኣፕል ስቲቭ ዎዝኒያክ፡ ሰብሰርሖ ብልሒ ወይ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምትላልን ግጉይ ሓበሬታን ንምልላይ ኣጸጋሚ ክገብሮ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ።

ዎዝኒያክ፡ ጥዑይ ዕላማ ዘይብሎም ሰባት ነቲ ቴክኖሎጂ ከይጥቀሙሉ ከም ዝሰግእ ይዛረብ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትሕዝቶ ሰብሰርሖ ብልሒ ቍጽጽር ክግበረሉ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።

ስቲቭ ዎዝኒያክ፡ ኣብ መጋቢት ምስ ኤሎን መስክ ኰይኑ ኣብ ምምዕባል እቶም ኣዝዮም ሓያላት ሞዴላት ሰብሰርሖ ብልሒ ደው ክብል ዝጽውዕ ደብዳበ ፈሪሙ ነይሩ።

ኣብ ዓለም ቴክኖሎጂ ብዝያዳ ብቮዝ ዝፍለጥ ዎዝኒያክ፡ ምስ ስቲቭ ጆብስ ብሓባር ኣፕል ዝመስረተን ናይ መጀመርታ ኮምፒተር ኣፕል ዝመሃዘን እዩ።

ንሱ፡ "ሰብሰርሖ ብልሒ ኣዝዩ በሊሕ ስለ ዝዀነ ነቶም እከይ ዝሰርሑን ከታልሉን ዝደልዩ ክፉት'" ኢሉ።

ሰብሰርሖ ብልሒ ወይ ኤኣይ፡ ንቡር ብልሒ ሰብ ዘድልዮም ዕማማት ክሰርሑ ዝኽእሉ ስርዓታት ኮምፕዩተር ዝሽፍን እዩ።

 እዚ ድማ ሕቶታት ክርድኡን ክምልሱን ዝኽእሉ ቻትቦታትን ኣብ ስእሊ ንዘለዉ ነገራት ከለልዩ ዝኽእሉ ስርዓታትን የጠቓልል።

ዎዝኒያክ፡ ኤኣይ ስምዒት ስለ ዝጐደሎ ንሰባት ክትክእ እዩ ዝብል እምነት የብሉን፤ እንተዀነ፡ ብናቱ ኣረኣእያ፡ ምትላልን ግጉይ ሓበሬታን ዝያዳ ተኣማኒ ክገብር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ንሱ፡ ሓላፍነት ናይ ዝዀነ ሰብሰርሖ ብልሒ ተፈጢሩ ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ነገር፡ ናይቶም ዝዘርግሕዎ ሰባት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይሓስብ፡ "ወዲ ሰብ ብሓቂ ናይቲ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝፍጠር ነገር ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ።"

ኣብተን "ብዝዀነ መንገዲ ከምልጣ ከም ዝኽእላ ዝስምዐን" ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ቍጽጽር ክግበረን ተሓተትቲ ዝዀናሉ መንገዲ ክዝርጋሕን ኣለዎ ይብል።

እንተዀነ፡ ተቘጻጸርቲ ብቅኑዕ ክትግብርዎ እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣለዎ፡ "እቶም ብገንዘብ ዝጻወቱ ሓይልታት መብዛሕትኡ ግዜ ዝዕወቱ ይመስለኒ፡ እዚ ድማ ብገለ መልክዑ ዘሕዝን'" ይብል።

ዎዝንያክ፡ ኣብ ምህዘት ኢንተርነት ዘምለጦም ዕድላት ንናይ ሎሚ ኣርኪተክተራት ሰብሰርሖ ብልሒ ትምህርቲ ከም ዝህብ ይዛረብ።

"ነቲ ቴክኖሎጂ ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና" ዝብል እምነት ኣለዎ፤ ሰባት ግን ምትላልን ውልቃዊ ሓበሬታ ንምውሳድ ዝግበር ተንኮለኛ ፈተነታትን ንምልላይ ዝሕግዝ ዝሓሸ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ከነዳልዎም ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓላፊ ኣፕል ዝዀነ ቲም ኩክ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣውፈርቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሰብሰርሖ ብልሒ ብጥንቃቐ ምሓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም