ተፃባእቲ ሓይልታት ሱዳን ንዘተ ናብ ስዑድ ዓረብ ተበጊሶም

348

 

ስዑድ ዓረብ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ክዋግኡ ዝፀንሑ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ሎሚ ቀዳም ክተዛትዮም እያ።

ክልቲኦም ተራፀምቲ ሓይልታት ዝገብርዎ ተኹሲ ደው ምባል ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምፍሻሉ እዩ፡ እዚ ናይ ሎሚ ቀዳም ዘተ ክካየድ።

ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ነዚ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ኣብ ጅዳ ዝካየድልዝብ ቅድመ-ድርድርብሓጐስ ከም ዝተቐበልኦ ኣብ ዘውፅእኦ ሓበራዊ መግለፂ ኣፍሊጠን።

ብዓርቢ ኣብ ካርቱም፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ጐንፂ ከም ዝቐፀለ፡ ፀብፃባት ሓቢሮም።

ሰራዊት ሱዳን፡ እዚ ዘተ ሰብኣዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ሓይሊ ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ግና፡ ዛጊድ ዝሃቦ ርኢቶ የለን።

ሰራዊት ሱዳን፡ ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ኣብ ዝበልዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዝርራብ ናብ ጅዳ ልኡኽ ከም ዝሰደደ ኣፍሊጡ።

እቲ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ዝቐፀለ ከቢድ ውግእ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ኣስታት 450 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ እዩ።

ካብዚኦም እቶም 115 ሽሕ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ከም ዝሓተቱ፡ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ገሊፁ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን መራሒ ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ-ሕሜቲን፡ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ኣብ ዝወለዶ ውግእ ተፀሚዶም ይርከቡ።

ብኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ዝወፅአ ሓባራዊ መግለፂ፡ክልቲኦም ወገናት ንረብሓ ሱዳንን ህዝባን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተኹሲ ደው ንምባልን ጐንፂ ንምግታእን ኣብ ዝግበር ዘተ፡ ብንቕሓት ክሳተፉ ይግባእ። እዚ ድማ ንህዝቢ ሱዳን ካብ ስቃይ ዘናግፍን ናብ ዝተጐድኡ ከባብታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዘኽእልን እዩኢሉ።

እቲ መግለፂ፡ንኹሎም ውድባት ሱዳን ዘጣቐለለ ከይዲ ልዝብክህልው ድማ ኣተስፍዩ።

ወሃቢቃል ዩኒሴፍ ጀምስ ኤልደር፡ ኣብ ፈለሞት 11 መዓልታት እቲ ጐንፂ፡ ኣስታት 190 ህፃናት ከም ዝተቐተሉን 1700 ከም ዝቖሰሉን ኣፍሊጡ። እዞም ኣሃዛት ካብ ትካላት ጥዕና ካርቱምን ዳርፉርን ጥራሕ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ቁፅሪ ግዳያት ካብዚ ክዛይድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ኣብ መንጐ ሓይልታት ክልቲኦም ጀነራላት ዝተወልዐ ፅዕፁዕ ውግእ፡ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ሓገዝ ንምብፃሕ ብድሆ ኰይኑ እዩ።

ዛጊድ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን እቲ ኣብ ኣረሜንያዊ ኵናት ዳርፉር ንዓረባዊ ሚልሻ ዝመርሐ ሕሜቲን፡ ነቲ ጐንፂ ሰላማዊ ዕልባት ንምግባር ዘርኣይዎ ድሉውነት ውሑድ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም