ህጹጽነት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዘብቅዐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ

364

ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብዚ እዋን' "ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና" ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ እቲ ለበዳ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከምዘብቅዐ ዝእምት ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ።

ሰብ መዚ እቲ ትካል ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ኣብ ጥሪ 2021 ልዕሊ 100,000 ኣብ ሰሙን ዝነበረ በዝሒ ሞት፡ ኣብ 24 ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ናብ 3,500 ወሪዱ'ሎ።

ብመሰረት ውግዓዊ ጸብጻባት ዛጊድ ብውሕዱ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓላፊ እቲ ውድብ ሓቢሮም።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቀኛ መጠን ሞት 20 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ውድብ ጢዒና ዓለም ኣሚቱ'ሎ። እቲ ቫይረስ ሕዝ'ውን ሓደገኛ ምዃኑ  ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቆም።

"ህጹጽ ኮሚቲ (ናይቲ ትካል)  ንመበል 15 እዋን ኣኼባ ብምክያድ፡ ዓለምለኻዊ ህጹጽነት ጥዕና ከምዘብቅዐ ክእውጅ እማመ ኣቕሪቡ። ነቲ ምኽሪ ተቐቢልናዮ ስለዚ ኸኣ፡ ኮቪድ-19 ከም ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና ከምዘብቅዐ ብዓቢ ተስፋ ታአዊጁ ክብል እቲ ውድብ ገሊጹ።

እቲ ውሳነ ብዓቢ ጥንቃቐ ክሕሰበሉ ዝጸንሐን፡ ኣብ ትንተና ማዕከን ሓበሬታ ዝተመስረተ ምዃኑን ተስሚሩሉ።

እንተኾነ ግን፡ ዋላ' ብዓይኒ ኣዋጅ ህጹጽነት ናይቲ ለበዳ እንተ ኣብቅዐ፡ ሓደጋ ናይቲ ቫይረስ ከምዘየብቅዐን፡ እቲ ኩነታት እንተ ተቐዪሩ እቲ ኣዋጅ ክምለስ ከም ዝኽእልን እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ።

 

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ጥሪ 2020 እዩ ንፈለማ እዋን ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ኣዊጁ ነይሩ።

እቲ ውሳነ፡ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ ክግበር ዘገድድን ዝእውጅን'ዩ።

እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ግን፡ ሃገራት ብዝመስለን ኣገባብ ነቲ ቫይረስ ክከላኸላ ናጽነት ዝህብ'ዩ።

ክታበት ኣብ ምግታእ እቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ' ዝግለጽ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ሰባት ካብ ሞት ንምክልኻል 13 ቢልዮን ክታበታት ኮሮናቫይረስ ተዋሂቡ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን፡ እቲ ክታበት ንኹሉ ዘድልዮ ኣይተባጽሐን።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ልዕሊ 765 ሚልዮን ምብጽሑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት "ምስቲ ቫይረስ ምንባር" ዝብል መምርሒ ብምኽታል፡ ንዝገብርኦ ዝነበራ መርመራታትን ዝኣወጅኦ ማሕበራዊ እገዳታትን ኣወጊደንኦ'የን።

ሓላፊ ህጹጽ ጥዕናዊ ኩነታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ / ማይክ ሪያን ከምዝበሎ፡ ዋላ' እቲ ህጹጽነት ናይቲ ለበዳ እንተኣብቀዐ፡ እቲ ቫይረስ ግን ሕዚ'ውን ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

"እቲ ቫይረስ ምምሕልላፍ ክቕጽል ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እንጽበዮ እዩ፡ ታሪኽ ለበዳታት ከምኡ ስለዝኾነ"

"ኣሰር ለበዳ ቫይረስ 1918 ንክጠፍእ ዓሰርተታት ዓመታት' ወሲዱ"

"ዝበዝሕ እዋን፡ ዝቕጽል ለበዳ ኣብ ዝጅምረሉ' እቲ ዝጸንሐ ለበዳ ናይ ብሓቂ ዘብቅዕ"

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም