ህጹጽነት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዘብቅዐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ - ኢዜአ ትግርኛ
ህጹጽነት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዘብቅዐ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ
364
ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብዚ እዋን'ዚ "ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና" ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ እቲ ለበዳ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከምዘብቅዐ ዝእምት ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ።
ሰብ መዚ እቲ ትካል ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ኣብ ጥሪ 2021 ልዕሊ 100,000 ኣብ ሰሙን ዝነበረ በዝሒ ሞት፡ ኣብ 24 ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ናብ 3,500 ወሪዱ'ሎ።
ብመሰረት ውግዓዊ ጸብጻባት ዛጊድ ብውሕዱ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ሓላፊ እቲ ውድብ ሓቢሮም።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቀኛ መጠን ሞት 20 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ውድብ ጢዒና ዓለም ኣሚቱ'ሎ። እቲ ቫይረስ ሕዝ'ውን ሓደገኛ ምዃኑ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቆም።
"ህጹጽ ኮሚቲ (ናይቲ ትካል) ንመበል 15 እዋን ኣኼባ ብምክያድ፡ ዓለምለኻዊ ህጹጽነት ጥዕና ከምዘብቅዐ ክእውጅ እማመ ኣቕሪቡ። ነቲ ምኽሪ ተቐቢልናዮ ። ስለዚ ኸኣ፡ ኮቪድ-19 ከም ህጹጽ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና ከምዘብቅዐ ብዓቢ ተስፋ ታአዊጁ ክብል እቲ ውድብ ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ብዓቢ ጥንቃቐ ክሕሰበሉ ዝጸንሐን፡ ኣብ ትንተና ማዕከን ሓበሬታ ዝተመስረተ ምዃኑን ተስሚሩሉ።