ኣብ ሩዋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ሓሊፉ

346

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 25/ 2015 (ኢዜአ)ትማሊ ምሸት ኣብ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ዝወቕዐዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ክሳብ ሕዚ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ዝርከብ ሩባ ሴቤያ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ሓደጋ ውሕጅ ብተወሳኺ ምህላል መሬት ከምዘጋጠመ እውን ተገሊፁ፡፡

ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣመሓዳሪ ምዕራባዊ ግዝኣት ሩዋንዳ ፍራንኮይስ ሃቢቴጌኮ ንሬውተርስ ከምዝገለፁዎ÷ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ስረሖም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም