ሕብረት ኣፍሪካ ንተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ፃውዒት ደው ምባል ተዂሲ ኣቕሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካ ንተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ፃውዒት ደው ምባል ተዂሲ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ / ሚያዝያ/ 24/ 2015 (ኢዜአ)ሕብረት ኣፍሪካ ንተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ፃውዒት ደው ምባል ተዂሲ ኣቕሪቡ።
እቲ ሕብረት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ሱዳናዊያን ኣገልግሎት ማይ፣ ጥዕና፣ ኤሌክትሪክ ሓዊሱ መሰረታዊ እታዎታት ንክረኽቡ እቶም ተፃባእቲ ብህፁፅ ኲናት ጠጠው ብምባል ንክዛተዩ ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ንሱዳናዊያን ሰብኣዊ ቀረብን ዝተዋደደ ደገፍን ንክገብር ሓቲቱ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ጉዳይ ዕልባት ንምሃብ 20 ሚያዚያ 2023 ዓ.ም.ፈ. ዓለም ለኻዊ ኣኼባ ምፅውዑ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።