ሩሲያ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ቀረብ ነዳዲኣ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ እስያ ክተዝውር ኢያ

352

ኣዲስ ኣበባ / ሚያዝያ /24/ 2015 (ኢዜአ)  ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ትልእኾ ቀረብ ነዳዲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ እስያ ክተዝውር ምዃና ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ኖቫክ ገሊፆም።

ሩሲያ ኣብቲ ውሳነ ዝበፅሐት÷ ምዕራባውያን ማዕቐብ ምንባሮም ስዒቡ ምዃኑ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ብባሕሪ እናቐረበሎም ዝነበረ ናይ ሩሲያ ነዳዲ ምቕባል ኣቋሪፀን ኢየን፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7ን መሓዙቶምን ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ድፍድፍ ነዳዲ ክሳብ 60 ዶላር ዝበፅሕ ገደብ ዋጋ ምንባረን ይዝከር።

ሩሲያ ቅድም ክብል ንኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ክትልእኾ ካብ ሞንጎ ዝነበረ 220 ሚሊየን ቶን ድፍድፍን ዝተፃረየን ቀረብ ፍርያት ነዳዲ 140 ሚሊየን ቶን ዝኸውን ናብ እስያ ከምተዝውር ኣፍሊጣ ኣላ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር“ንምዕራባውያን ካብ 80 ክሳብ 90 ሚሊየን ቶን እኹል ኢዩ” ክብሉ ተሰሚዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም